ሱዳን፣ ኢትዮጵያ ንዲጋ ተሃድሶ ንምምላእ ክትወስዶ እትኽእል ስጉምቲ ከምዘሻቕላ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 11 January 2021

ኢትዮጵያ፣ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ዲጋ ተሃድሶ፣ ከተተግብር ምዃና ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን፣ መንግስቲ ሱዳን ብዓይኒ ሻቕሎት ከምዝርእዮ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ብዘይዝኾነ ቅድመ ሓበሬታን ስምምዕን፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ዲጋ ተሃድሶ ከተተግብር ምዃና ምግላጻ፣ ኣብ ክሊ ናይል ንዝርከቡ ህዝብታት ንሓደጋ ዘቃልዕ’ዩ ክብል’ዩ ሚኒስተር ማይን ሕርሻን ሱዳን ያሲር ዓባስ ወቒሱ።

እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ፣ ብዛዕባዚ ጥርዓን ብዝምልከት ናብ እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ’ውን ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ ነዚ መግለጺ ትህብ ዘላ፣ ሱዳን፣ ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሱሉሳዊ ዘተ፣ ድሕሪ ምብኳራ’ዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ብወገኑ፣ ድሕሪ’ዚ ናይ ኢትዮጵያ ውሳኔ፣ ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ሜጀር ጀነራል ዓባስ ካመል ዝምራሕ ወኪሉ፣ ናብ ሱዳን ብምልኣኽ ምስ ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ምይይጥ ኣካይዱ’ዩ።

እቲ ብ4 ጥሪ ዝተኻየደ ምይይጥ፣ ሱዳንን ግብጺን ኣብ ጉዳይ ናይል ክህልወን ብዛዕባ ዝኽእል ሓባራዊ መርገጺን ጸጥታን ዘተኮረ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0