መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ብናጻ ኣካል ክጻረ ከምዘይደሊ ገሊጹ

Radio Erena: 10 December 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፣ ብናጻ ኣካል ክጻረ ድሌት ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሬድዋን ሓሰን፣ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ መንግስቲ፣ ከጻርዮ ዓቕሚ ስኢኑ ሓገዝ ምስዝሓትት ጥራይ ናይ ወጻኢ ኣካል ክኣትዉ ከምዝፈቅድ ኣመልኪቱ።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ልዕሊ ሓደ ወርሑ ኣቑጺሩ ኣብ ዘሎ ውግእ፣ ሞት ኣሽሓት ሰለማዊያን ሰባትን ከቢድ ዕንወት ንብረትን ከምዝሰዓበ’ዩ ዝጥቀስ።

ይኹን’ምበር፣ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ዝኣተወን ከተማታት ትግራይ፣ ካብ ጎረባብቲ ዓድታት ዝመጹ ህዝቢ፣ ብሚሊሻታት ተሓጊዞም ቅሉዕ ዝምታ ይፍጽሙ ከምዘለዉ’ውን ይግለጽ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ይንቀሳቐስ ኔሩ ንዝበሎ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ተዅሲ ከምዝኸፈተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣሚኑ።

ኣቶ ሬድዋን ሓሰን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ብተዅሲ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ንዝተወሰነ ሰዓታት ኣብ ቀይዲ ምጽንሑ’ውን ገሊጹ።

ወኪል ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መዓስከር ሽመልባ ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዕዛብ ይጓዕዝ ከምዝነበረ’ዩ ተጠቒሱ።

===============