መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብምጥያስ ናብ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ዝተበገሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት መውጽኢ ቪዛ ከልኪሉ

Radio Erena: 09 December 2020

ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብውልቂን ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ክጣየሱ ጉዳዮም ተወዲኡ፣ በረራ ጥራይ ክጽበዩ ዝጸንሑ 10ታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ መውጽኢ ቪዛ ተኸልኪሎም።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ብመንገዲ IOM ናብ ካናዳ ካብ ዝተበገሱ ኣስታት 40 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ እቶም ልዕሊ ፍርቂ መውጺኢ ቪዛ ተኸልኪሎም፣ ኣብ ዘዝነበርዎ ክጸንሑ ተሓቢርዎም ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዞም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡን፣ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ምጥያስ ዕድል ዝረኸቡን ገሊኦም ድማ ብምጥርናፍ ስድራቤታት ዝተበግሱን ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ናይ መውጽኢ ቪዛ መሰናኽል ዝገብረሉም ዘሎ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ህወሓትን ርክብ ዝነበሮም ንምጽራይ ክኸውን ከምዝኽእል ሓደ ሓደ ወገናት ግምታቶም ይህቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተዓቝቦም ንዝጸንሑ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ሓገዝ ከይረኽቡ ከልኪሉ’ዩ ዘሎ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ፣ ተቓወምቲ ኤርትራ’ዮም ንዝበሎምን ምስ ህወሓት ርክብ ኔርዎምን ኢሉ ንዝጠርጠሮም ኤርትራውያን ይሃድን ከምዘሎ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    ኪዳነ ይብራህ 3 years ago

    እዛ መንግስቲ ኢትዮጵያ መውጽኢ ቪዛ ንኤርትራውያን ከሊእዎም ትብል ዜና፥ ሓቅነት ዘለዋዃ እንተኾነ፥ ኣብ መወዳእታ፥ ሕጥበ ጽሑፍ ናይቲ ዜና ክእረም ዝግብኦ ኣጸሓሕፋ ናይ ቋንቋ ኣሎ።

    ተቓወምቲ ኤርትራ፥ ንኤርትራ ዝቃወም ሓይሊ የለን። ተቓወምቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ክበሃል እዩ ዝግብኦ። ብዝበለጽ ድማ ዲፕሎማሲያውያን ክትኮኑ ደሊኹም ግን ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ድማ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኢልኩም ክትጽሕፉ ይግባእ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።

  • comment-avatar
    መምህርዓንደግደይ 3 years ago

    ምናልባት ምስዚ ዝቐነየ ኩነታት ዘይምርግጋእ ኣመልኪቱ ግዜያዊ ሓጺር ናይ መዓልታት ምዕጻው ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ተኸልኪሉ ኢልና ግን ምዝራብ የጸግም ኢዩሞ ኢምግሬሽን ዝብሎ እንተሃልይዎ ተሓቲቱ ዝተጻረየ መልሶ ምርካብ ይሓይሽ ዝብብ ርእይቶ ኣለኖ።