ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ባንኪ ሕሳብ ዝኸፈቱ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን፣ ገንዘቦም ከንቀሳቕሱ ተፈቒዱሎም

Radio Erena: 03 December 2020

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ዝርከባ ጨናፍር፣ ናይ ባንክ ሕሳብ ዝኸፈቱ፣ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን፣ ገንዘቦም ከንቀሳቕሱ ከምዝተፈቕደሎም፣ ዘ ሪፖርተር ንሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝኸፈትዎ ሕሳቦም ደስኪሉ ዝጸንሐ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ፣ ካብ ሰሉስ 1 ታሕሳስ ኣትሒዞም፣ ከንቀሳቕስዎ ተፈቒድሎም ኣሎ።

ናይ ባንክ ሕሳብ ኣብ ትግራይ ዝኸፈቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ሕሳቦም ብምድስካሉ፣ ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ብድሆ ወዲቖም’ዮም ጸኒሖም።

ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ወጻኢ ሃገራት፣ ብመንገዲ ዌስተርንዩኒዮን ይኹን ካልእ ሕጋዊ ናይ ሸርፊ ትካላት፣ ካብ ዝሕወለሎም ገንዘብ ይኹን ካልእ ሕሳባት’ውን ካብ 2 ሽሕ ብር ንላዕሊ ከውጽኡ ክፍቀደሎም ኣይጸንሐን።

==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0