Radio Erena: 18 August 2020
ርጉእ መንግስቲ ክትምስርት ኣብ ዘይክኣለት ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ዓመት ሚኒስተር ምክልኻል ዝተሸመ ኣቶ ለማ መገርሳ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ፕረዚደንት ክልል ኦሮሞ ነበር፣ ኣቶ ለማ መገርሳ፣ ኣብ ሚያዝያ 2019’ዩ ንወ/ሮ ዓሻ መሓመድ ሙሳ ብምትካእ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ።
እንተኾነ ብኣካይዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዕጉብ ብዘይምዃኑን ንፖሊስትታት ሰልፊ ብልጽግናን ብምቅዋሙን፣ ኣቶ ለማ መገርሳ ካብ ኩሉ ንጥፍታት ኢዱ ስሒቡ ከምዝወረሐ ክዝረብ ጸኒሑ።
ኣብዚ ተኸታታሊ ሰሙን ድማ ኣቶ ለማ መገርሳ ካብ ኣባልነት ሰልፊ ብልጽግናን ካብ ጽፍሒ ሚኒስተር ምክልኻልን ከምዝተኣልየ ተሓቢሩ።
ጸጥታ ህዝቢ ከውሕስን ርጉእ መንግስቲ ክምስርትን ዘይክኣለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጸሉ ኣብዚ ክልተ ዓመታት፣ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ኮሚሽነራትን፣ ብወለንትኦም ክእለዩ ካልኦት ድማ ብመንግስቲ ብተደጋጋሚ ክቀያየሩ ተራእቶም’ዮም።
ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጥራይ ንኣብነት፣ ብጠቕላላ ሓሙሽተ ሚኒስተራት፣ ኣቶ ሲራጅ ፌጌሳ፣ ኣቶ ሞቱማ መቃሳ፣ ወ/ሮ ዓሻ መሓመድ ሙሳ፣ ኣቶ ለመ መገርሳ ሕጂ ድማ ኣቶ ቀንዓ ያዴታ ተተኻኺኦም ኣለዉ።
እዚ ድማ እቲ መንግስቲ ርግኣት ከምዘይብሉን እቶም ብወለንቶም ዝእለዩ ዘለዉ ከኣ ኣብቲ መንግስቲ እምነት ከምዘይብሎምን ዘነጽርን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር የረድኡ።
================