ፕረዚደንት ማሊ፣ ብሰራዊት እታ ሃገር ድሕሪ ምእሳሩ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 19 August 2020

ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡባከር ከይታ፣ ብሰሉስ 18 ነሓሰ ብሰራዊት እታ ሃገር ድሕሪ ምእሳሩ፣ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ምፍሳስ ደምን ዕንወትን ንምውጋድ ካብ ስልጣኑ ክእለ እንተዘይኮይኑ ካልእ ምርጫ ከምዘይብሉ ኣመልኪቱ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ቡቡ ሲሰን ዝምራሕ መንግስቲ እታ ሃገርን ባይቶን’ውን ክብተን ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ሰራዊት ማሊ፣ ነቲ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተሩን ድሕሪ ምእሳሩ፣ ዕልዋ ከምዘካየደ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

እንተኾነ፣ ነቲ ስርሒት ከምዝሃንደሰ ዝንገረሉ ሃገራዊ ኮሚተን ንድሕነት ህዝቢ ዝተብሃለ ምንቅስቓስ ሰራዊት፣ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ምስግጋርን ሃገራዊ ምርጫን ከተግብር ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ።

እቲ ብሰራዊት ማሊ ዝተወስደ ስጉምቲ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ደገፉ ይህበሉ እኳ እንተሎ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ዞባውያን ውድባትን ተቓዊመንኦ ኣለዋ።

እንተኾነ ሰራዊታ ኣብታ ሃገር ኣዋፊራ እትርከብ ፈረንሳ፣ እቲ ፕረዚደንት ብወትሃደራዊ ጎነጽ ካብ ስልጣን ምእላዩ፣ ተሪር ተቓውሞ ዘይምስምዓ፣ ኢድ ክህልዋ ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ፈረንሳ ይእምቱ።

ኣብ 2013 ብምርጫ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ቡባከር ከይታ፣ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ዳግማይ ምርጫ ደጊሙ ድሕሪ ምዕዋት’ዩ ን7 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክቕጽል ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር ህዝብን ሰራዊትን፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ብልሽውናን ካልእ ዘይብቁዑ ምሕደራ መንግስትን ከምዝተዋፈረ ይውቀስ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0