ኣባላት ሰራዊት ሶማል፣ ደሞዝና ኣይተኸፈልናን ብዝብል ኣድማ ኣካይዶም

Radio Erena: 25 June 2020

ኣባላት ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ደሞዝና ኣይተኸፈልናን ብዝብል፣ ኣድማ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ።

መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ 10ታት ኣባላት ሰራዊት፣ ናብ ቤት መንግስቲ ናብ ዝወስድ ጎደናታት ብምውፋር መንገዲ ዓጊቶም።

እቶም ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 27 ዝኾኑ ወትሃደራት፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣድማ ብምክያድ ጎደናታት ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝዓገትሉ፣ ህዝቢ ክድግፎም’ዩ ተራእዩ።

እቶም ኣባላት ሰራዊት፣ ኣብ ዝተመደበሎም ስራሕ ተዋፊሮም እኳ እንተለዉ፣ ንዓመትን ሸሞንተ ወርሒን ደሞዞም ከምዘይተኸፍሉ’ዮም ሓቢሮም።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል፣ ጀነራል ዖዶዋ ዮሱፍ ራገ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብወግዒ ናይ ዝተመዝገቡ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ደሞዞም ከምዝተኸፍለ ብምርግጋጽ፣ ጉዳዮም ናይ ዘይተጻረ ዝተረፈ ከምዘሎን ንምጽጋኑ ይሰርሑ ምህላዎምን ጠቒሱ።

ሓድሽ ኣሰራርሓ ዝተኸተሉን ብሕጋዊ መንገዲ ዝተመዝገቡን ኣባላት ሰራዊት፣ ደሞዞም ዝተኸፍልሉ ናይ ባንክ ሰነድ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ደሞዘይ ኣይተኸፈልኩን ዝብል እንተሎ፣ ብኣድማ ዘይኮነ ካልእ ሕጋዊ ኣገባብ ከምዘሎ እቲ ጀነራል ኣረዲኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0