ጂቡቲ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምምካት ንዝሓገዙዋ 12 ቻይናውያን ሓካይም ሃገራዊ ክብሪ ሸሊማ

Radio Erena: 12 May 2020

ጂቡቲ ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንጽጻር፣ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ ዝተራእየላ ሃገር’ያ።

ሓደ ሚልዮን ካብ ዘይኣኸበል ብዝሒ ህዝባ፣ ዛጊት ኣስታት 1200 መልከፍትን ሞት ሰለስተ ሰባትን መዝጊባ ዘላ ጂቡቲ፣ ነዚ ለበዳ ንምምካት ክተሓጋገዝዋ ንዝጸንሑ 12 ቻይናውያን ሰብ ሞያ ጥዕና፣ “ማዳልያ ናጽነት” ዝተሰምየ ዝልዓለ ሃገራዊ ክብሪ ሸሊማቶም።

እቶም ቻይናውያን ሓካይም፣ ኣቐድሞም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ሞያዊ ብቕዓቶም ድሕሪ ምብርካት ብ30 ሚያዝያ’ዮም ናብ ጂቡቲ ተሰጋጊሮም።

እቶም ቻይናውያን ንዝተዳለወሎም ማዳልያታት ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ጂቡቲ ዓብደልቃድር ካሚል መሓመድ ተረኮቦም።

መንግስቲ ጂቡቲ ንዝኣወጆ፣ ህዝቢ ኣብ ኣባይቶም ክዕጸዉ ዘገድድ ኣዋጅ፣ ብዕቱብ ከምዘይተተግበረ እኳ እንተተመልከተ፣ እቲ መንግስቲ ነቲ ኣዋጅ ክሳብ 17 ግንቦት ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ ኣሎ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0