ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብከመይ ክሰርሑ ከምዘለዎም ዝዝቲ ዋዕላ ከካዪዱ እዮም

Radio Erena: 08 March 2020
ዝተፈላለዩ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብከመይ ክሰርሑ ከምዘለዎም ዝዝቲ ዋዕላ ከካዪዱ እዮም።
እቲ ንዕለት 9ን 10 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃናጺ ዝምድና ዝተመስረተ ዝርርብ ዝካየደሉ ሜላ ንምድህሳስ ዝዓለመ ምዃኑ’ውን ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ገሊጾም።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ፣ ኬንያ ዝካየድ ዋዕላ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ በብወገኖም ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከካዪዱዎ ዝፈተኑ ዘተ ፍረ ስለዘይተረኽቦ፣ ኩሎም ኣካላት ብሓባር ዘስርሖም መሰረት ንምንጻፍ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
ሓያሎ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ነዚ ዕድል’ዚ ብምጥቃም ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደዱዎ መልእኽቲ፣ እቲ ውድብ ብገዛእ ልኡኻቱ ንዝተኻየደ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻባት ኣቓልቦ ገይሩ ክርእዮ ተማሕጺነን።
ሸውዓተ ኤርትራውያን በርጌሳውያን ማሕበራት ናብ’ቲ ውድብ ኣብ ዝለኣኸኦ ምሕጽንታ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዝምድና ይኹን ዘተ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘማእከለ ክኸውን ከምዝግባእ ኣዘኻኺረን።
ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣህጉራውያን ትካላት ናብ ኤርትራ ኣትየን መርመራ ከየካዪዳ ከልኪሉ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0