ኣመሪካ፣ ን12 ዓመታት ክትሃድኖ ዝጸንሐት ሓደ ካብ መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝቐተለቶ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 09 March 2020

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ በሺር መሓመድ ቆርጋብ ዝተባህለ ሓደ ካብ ወትሃደራውያን መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝቐተለቶ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፣ ኣብ 22 ለካቲት ኣብ ዘካየደቶ ደብዳብ መራሕቲ ኣልሸባብ ዝርከብዎም ዕጡቓት ምቕታላ እኳ እንተገለጸት፣ ሓደ ካብኣቶም ጋ ካብ 2008 ኣትሒዛ ክትሃድኖ ዝጸንሐት ቆርጋብ ምዃኑ ከየረጋገጸት’ያ ጸኒሓ።

ኣመሪካ፣ በሺር መሓመድ ቆርጋብ ንዘለዎ ቦታ ዝሓበረ ወይ ንዘትሓዞ ሰብ 5 ሚልዮን ዶላር ሞሳ’ያ መዲባትሉ ኔራ።

እቲ ሓደ ካብ መስረቲ ኣልሸባብ ምዃኑ ዝንገረሉ ቆርጋብ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ምስ መሪሕነት እቲ ምስ ኣልቓዒዳን ዳዒሽን ምድንጋጽ ከምዘለዎ ዝገለጸ ጉጅለ፣ ተፈንጩሉ ናይ በይኑ ቃልሲ ከካይድ ከምዝጸንሐ ሓደ ሓደ ወገናት ሶማል ይጠቕሱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0