እስራኤል፣ ብዛዕባ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ምስ ሕ/ሃ ናብ ዝኸተመቶ ውዕል ክትምለስ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 26 December 2019

መንግስቲ እስራኤል፣ ብዛዕባ’ቶም መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ፣ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ናብ ዝኸተሞ ውዕል ክምለስ፣ ወኪል እቲ ኣህጉራዊ ትካል ጸዊዑ።

ወኪል UNHCR ኣብ እስራኤል፣ ዳምጠው ደሳለኝ፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ብምንቃፍ፣ እቲ መንግስቲ ነቲ ብሚያዝያ 2018 ዝኸጠሞ ውዕል ከኽብር ተማሕጺኑ።

ንሱ ነዚ ጻውዒትን ምሕጽንታን ዘቕረበ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት ንማዕከን ዜና ሃረጽ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ’ዩ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣስታት 32 ሽሕ ስደተኛታት ፍርቆም ናብ ወጻኢ ሃገራት ክጣየሱ ፍርቆም ድማ ኣብ እስራኤል ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ክነብሩ ኣብ ዝብል ነጥቢ፣ ኣብ ሚያዝያ 2018 ምስ UNHCR ስምምዕ ከምዝኸተመ ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፣ ሰዓታት ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ምኽታሙ፣ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ነቲ ውዕል ከምዝሰረዞ’ዩ ኣፍሊጡ።

ኣብ እስራኤል፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 32 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክህልዉ እንከለዉ፣ እቲ መንግስቲ ጉዳዮም ርእዩ መሰል ዑቕባ ዝፈቐደሎም ካብ 10ታት ኣይሓልፉን’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0