ብራስለስ፣ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዘትዮም

Radio Erena: 06 November 2019

ኣብ ቤልጁም ከተማ ብራስለስ፣ ንሽወደን ዝወከሉ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዝዝቲ ሰሚናር ኣካይዶም።

ኣብቲ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጋዜጠኛታት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ግዱሳትን ዝተረኽብሉ፣ ትማሊ ሰሉስ 5 ሕዳር ዝተኻየደ ሰሚናር፣ ፍሉይቲ ልእኽቲ ሕቡራርት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዳኒኤላ ክራፍትዝ፣ ንኩነታት ፕረስ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ክከታተል ዝጸንሐ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ብዮርን ቱንባክን፣ ዳይረክተር ፔን ኤርትራ ኣብርሃም ተስፋልኡልን፣ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ናጽነት ፕረስን ብዝምልከት መብርሂታት ኣቕሪቦም።

ብመሰረት እቲ ዝቐረበ መብርሂታት፣ ኣባላት ፓርማላ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ትዕዝብትን ክውሰዱ ዝኽእሉ ስጉምታትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ተዛትዮም።

ጓሉ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፣ ቤተሊሄም ዳዊት ኢሳቕ፣ ብሰንኪ’ቲ ወላዲኦም ኣብ ኤርትራ ን18 ዓመታት ደሃዩ ምጥፍኡ ዝፈጠሮ ኩነታት ዝምልከት ስድራቤታዊ ትዕዝብታ ኣካፊላ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ Free Dawit ዝተሰምየ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ዝጽውዕ ማሕበር፣ ብቋንቋ ጀርመን ዝተተርጎመ ናይታ ብዳዊት ዝተጻሕፉ ዛንታታት ዘጠቓለለት መጽሓፍ ንኩሎም ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ዓዲሉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0