ሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ዓደን ዝጸንሐ ገለ ክፋል ሰራዊታ ስሒባ

Radio Erena: 10 October 2019

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ የመን ከተማ ዓደን ዓስኪሩ ዝጸንሐ ገለ ክፋል ሰራዊታ ከምዝሰሓበት ተገሊጹ።

ሮይተርስ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ወትሃደራት ዝጸዓና ኣውቶቡሳትን ድሩዓት መካይንን ካብታ ወደባዊት ከተማ ብመርከብ ተጻዒኖም ወጺኦም።

ኢማራት ገለ ክፋል ሰራዊታ ካብ ዓደን ዝሰሓበት፣ ኣብ መንጎ’ቲ ብስዑዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን፣ ብኢማራት ዝድገፉ ሚሊሻን ተፈጢሩ ንዘሎ ምፍጣጥ ንምህዳእ ምዃኑ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

ብሕቡራት ኢማራት ዝድገፉ ሚሊሻ የመን፣ ኣብ ዓደን ኣብ ዝርከብ ትካላት መንግስቲ ድሕሪ ምቑጽጻሮም፣ ኣብ ሪያድ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ “ዕልዋ’ዩ” ክብል ከምዝኾነኖ ኣይርሳዕን።

ሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ኤርትራ ዘሰልጠነቶም ሚሊሻ፣ ናብታ ኣብ የመን ብዕብየታ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ስትራቴጂያዊት ደሴት ሶኮትራ ተዋፍር ከምዘላ ሶኮትራ ፖስት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ምጥቃሱ ይዝከር።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ ጉዳይ የመን ዝጸንሐን መርገጺ እናተፈላለየ ብምምጽኡ፣ ስዑዲ ነቲ ኣብ መሬታ ዝርከብ መንግስቲ የመን ክትድግፍ እንከላ፣ ኢማራት ድማ ኣብ ዓደን ዝመደበሩ፣ ንምንጻል ደቡብ ሱዳን ዝቃለስ ሚሊሻ ትሕግዝ ምህላዋ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ይሕብሩ።

ብስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝተመርሐ፣ ኤርትራ እትርከቦ ወትሃደራዊ ልፍንቲ 31 ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ናይ የመን ኵናት ካብ ዝኣወጀሉ ሓሙሻይ ዓመቱ፣ ኣቑጺሩ ‘ሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0