ርዋንዳ፣ “ደቂንስትዮ ርኹሳት’የን” ኢሉ ዝሰበኸ ኣመሪካዊ ፓስተር ተሰጕጉ

Radio Erena: 10 October 2019

ኣብ ርዋንዳ፣ “ደቂንስትዮ ርኹሳት’የን” ኢሉ ዝሰበኸ ኣመሪካዊ ፓስተር ከምዝተሰጎገ፣ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ግሬግ ስኮፍ ዝተባህለ ፓስተር፣ ብዝውንና፣ መንፈሳዊ ትምህርቲ እትህብ ሬድዮ፣ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፣ “ድቂንስትዮ ርኹሳት’የን” ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ስብከት ድሕሪ ምምሕልላፉ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር እታ ሬድዮን በቲ ፓስተር እትውነን ቤተ ክርስትያንን ደው ክብላ ኣዚዙ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣመሪካዊ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ጋዜጠኛታት ብምዕዳም፣ ብዛዕባ’ታ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተዓጽወት ቤተ ክርስትያንን ደው ዝበለት ሬድዮን ኣመልኪቱ፣ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ ኣብ ዝፈተነሉ፣ “ዘይሕጋዊ ኣኼባ ወዲብካ” ተባሂሉ ብፖሊስ ተኣሲሩ።

መንግስቲ ርዋንዳ፣ ነቲ ህዝባዊ ስርዓት ንምዝራግ ዘንቀደ’ዩ ዝበሎ ኣመሪካዊ ፓስተር ብኡ ንብኡ ካብ ሃገሩ ከምዝወጽእ ጌርዎ።

መንግስቲ ርዋንዳ፣ ኣብ ምቁጻር ወሊድን ምንጻል ጥንስን፣ ንደቂንስትዮ ዝያዳ መሰል ዝህብ ሕግታት ብምትእትታው፣ ኣፍልጦ ሕብረትሰብ ኣብ ፍርያምነትን ጥዕናን ንምዕባይ፣ ትምህርቲ ወሲብ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክወሃብ ምውሳኑ፣ ብኣኽረርቲ እምነታት ክርስትና እታ ሃገር ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0