ኖርወይ፣ ኣብ ጽምብል መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋ ፣ ኣብ ኣኼባ ህግደፍ ብምስታፉ፣ ናብ ኤርትራ ዝሰጎጎቶ ሰብ የለን

Radio Erena: 10 October 2019

ኣብ ኖርወይ፣ ኣብ ጽምብል መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋ ፣ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ ህግደፍ ዝተሳተፉ፣ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎገ ሰብ ከምዘየለ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ዘለዉ ወገናት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ይኹን’ምበር፣ መንግስቲ ነርወይ፣ 47 ኤርትራውያን ከምዝሰጎገ፣ ምስዚ ናይ ጽምብል ምምስራር ሳዋ ኣተሓሒዞም ሓያሎ ወገናት ብማሕበራዊ ሜድያታት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

መንግስቲ ነርወይ፣ ኣብ ዓመት 2019፣ ናይ ዑቕባ ሕትኦም ዝነጸጎም፣ ኣቐዲሞም ኣብ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ኣጻብዕቲ ዓሸራ ዘለዎም ብመሰረት ስምምዕ ዳብሊንን ካልኦትን፣ 45 ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ክመልስ እንከሎ፣ ክልተ ድማ ብወለንትኦም ናብ ኤርትራ ከምዝመለሶም ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር የመልክት።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ግና ዝተመልሰ ኤርትራዊ’ውን ኣይነበረን።

ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ግዱድ ዕስክርና ሃዲሞም፣ ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ዝሓተቱ፣ ኤርትራውያን ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋ፣ ጽምብል ዘካየየዱ ኤርትራውያን ኣዛራቢ ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ማዕከናት ዜና ኖርወይ ኣብ ዘቕረብኦ ሓበሬታ፣ እቶም ኤርትራውያን፣ ወትሃደራዊ ልብሲ ወድዮም ባንዴራ ኤርትራ እናምበልበሉ፣ ምስቲ ናብታ ሃገር ዑደት ዘካይድ ዝነበረ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ ክስኣሉን ወዛሕዛሕ ክብሉን፣ ምስቲ ዑቕባ ንምሕታት ዘቕረብዎ ምኽንያት ዘይሳነ’ዩ ክብላ’የን ዝጠቕሳ።

ገሊኦም ካብቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዜግነት ወሲዶም እኳ እንተኾኑ፣ ኖርወይ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ሒዛቶ ዝጸንሐት ፖሊስ ክትፍትሽ ዘገድድ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣገንዚቦም።

ነርወይ ኣቐዲማ፣ ዑቕባ ሓቲቶም ከብቅዑ ብመንገዲ ሱዳንን ናብ ኤርትራ ንዝመላለሱ ኤርትራውያን ንምቑጽጻር፣ ዝወሃቦም ናይ ስደተኛታት ናይ መገሻ ሰነድ፣ ኣብ ርእሲ ናብ ኤርትራ፣ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን’ውን ከይበጽሑ ዝእግድ’ዩ።

ስዊዘርላንድ ኣቐዲማ፣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ናብ ኤርትራ ንዝመላለሱ ኤርትራውያን ትከታተልን፣ ናይቶም ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሑ ዝተረጋገጸ ድማ ናይ ዑቕባ መሰሎም ከምዝሰረዘትን ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0