ናብ ኣስመራ እናምርሐ ኣብ የመን ዝተታሕዘ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተረኪቡ

ናብ ኣስመራ እናምርሐ ኣብ የመን ዝተታሕዘ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተረኪቡ

Radio Erena: 07 July, 2014

Anda yemen

ናብ ኣስመራ እናምርሐ ኣንከሎ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ዝተቐየደ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ፣ መንግስቲ የመን ናብ ኢትዮጵያ ከምዘረከቦ ተገሊጹ።

እቲ ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ዘለዎ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ግንቦት 7 ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ፣ ካብ 23 ሰነ ኣትሒዙ ኣብ የመን ኣብ ቀይዲ’ዩ ጸኒሑ።

ቤት ጽሕፈት ዱዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ብዛዕባ’ዚ ብሪጣንያ ዜግነት ዘለዎ ኢትዮጵያ ፖለቲከኛ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ነቲ ኩነታት ብመንገዲ ኣብ የመን ዝርከብ ኣምባሳደሩ ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ብምርግጋጽ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ተሰጋጊሩ ክከውን ከምዝኽእል’ዩ ኣንፊቱ።

 

ኢትዮጵያ ነቲ ኣቐዲማ ንሕለፍት ዝፈረደቶ ኢትዮጵያ ብሞት ክትቐጽዖ ከምእትኽል ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ ግዜ ድማ፣ ብሪጣንያ ንናይ ሞት መቕጻዕቲ ዘለዋ ተቓውሞ ካብ ምግላጽ ሓሊፋ ካልእ ዝሃበቶ መጠንቐቕታ የለን።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ውሽጣዊ ጉዳይት የመን፣ ንጋዜጣ የመኒ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ድማ ኣብ የመን ዝተታሕዘ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ የለን ምባሉ፣ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ ናብ ኢትዮጵያ ተረኪቡ ክኸውን ከምዝኻል ዘረጋግጽ’ዩ ክብሉ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ትንታነታቶም ይህብሉ ኣለዉ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ርክባት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ብሕጊ ዝድለ ስለዝኾነ የመን ናብ ኢትዮጵያ ከተረክቦም ከምዘለዋ እኳ እንተገለጸ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ምርካቡ ይኩን ካልእ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ጉዳይ ብዝምልከት ግና ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለው።

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሪር ነቐፌታ ዘለዋ ኣባል ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ኣና ጎመዝ ድማ፣ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ስለዘለዎ ናብ ብሪጣንያ ክምለስ ኣሎ ብምባል መንግስቲ ብሪጣንያ ንምልቓቑ ክጽዕር ጸዊዓ።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ነቲ ከም ክቡር ጋሽኡ ብተደጋጋሚ እዋን ከእንግዶ ዝጸንሐ ኣቶ እንዳርጋቸው ጽገ፣ ናብ ኣስመራ እናምርሐ እንከሎ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ የመን ኣብ ትራንዚት ምቕያዱ፣ ዘለዎ ተቓውሞታት ብዝተፈላለየ መልክዕ ክገልጽ ምጽንሑ ማዕከናት ዜና የመን ኣመልኪተን’የን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0