ብተደጋጋሚ ገኒኑ ዘሎ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ሓበሬታ ይግልሎ ኣሎ

ብተደጋጋሚ ገኒኑ ዘሎ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ሓበሬታ ይግልሎ ኣሎ

Radio Erena: 07 July, 2014

Asmara Electri

ኣብ መላእ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ገኒኑ ዝርአ ዘሎ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ፣ ህዝቢ ንኩነታት ሃገሩን ካልእ ምዕባለታት ዓለም ከይከታተል ካብ ሓበሬታ ገሊልዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ንተኸታታሊ ሸሞንተ መዓልታት ኤሌክትሪክ ብዘይምንባራ፣ ብዛዕባ ኤርትራ ዓለምን እንታይ ይብሃል ኣሎ፣ ካብ ናጻ ናይ ደገ ምንጭታት ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጊሙ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።

 

ኤሊከትሪክ ንነዊሕ ሰዓታትን ብተደጋጋምን ምቁራጹ፣ ነቲ ካብ ኣፉ ናብ ከቢዱ ጥራይ ንምንባር ኣብ ከቢድ ናብራ ተጸሚዱ ዝርከብ ህዝቢ፣ መጥሓንን መሰንከትን ንምርካብ ካብን ናብን ክከላበት ብብዝሒ ይርአ ምህላዉ’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ኣብ 2012’ውን ኣብ ወርሓ ሓምለ-ነሓሰ ከምዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራን17 ተኸታታሊ መዓልታት ኤሌክትሪክ ከምዘይነበረን ኣብቲ እዋን’ቲ እንጀራ ንምስንካት መለሲ ሒዘን ፈቐዶ ኤሌክትሪክ ናብ ዘላቶ ቦታ ኮለል ንዝብላ ዝነበራ ኣዴታት እቲ ኣብ ግዜ ዋዝ ዝለመደ ህዝቢ ‘ግዝዋ’ ዝብል ቅጽል -ስም ሂብወን ከምዝነበረ ካልኦት ተወስሳኺ ሓበሬታ ዝሃቡና ወገናት ኣረጋጊጾም።

እዚ፣ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ኤሌክትሪክ፣ እቲ ኣብ ከቢድ መከራ ተሸሚሙ ዘሎ ህዝቢ፣ መጥሓንን መሰንከትን ንምርካብ ጥራይ ገልታዕታዕ እናበለ፣ ናጻ ሓበሬታ ካብ ምርካብ ተገሊሉ ንኽነብር ንመግስቲ ኤርትራ ‘ዘይተሓስበ ምርቓ’ ኮይኑዎ ኣሎ።

እዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራ ገኒኑ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት፣ ንዝቢ ምስቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ውድቀት እዋን መግዛእታዊ ስርዓት ደረግ ዝነበረ ኩነታት ብምምስሳል ይገልጾ ምህላ’ውን እቲ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹልና ወገናት ኣገንዚቦም።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0