“ኤርትራ፣ ድሕሪ ሰሜን ኮርያ ዝተሓተ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር’ያ” ITU

Radio Erena: 16 September 2019

ኣብዛ ዓለም ካብ ዘለዋ 288 ሃገራት እታ ዝተሓተ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር፣ ሰሜን ኮርያ’ያ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ቴሌኮሚኒኬሽን ብዘቕረቦ መጽናዕቲ መሰረት፣ 25 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሰሜን ኮርያ፣ እቲ ኣስታት 20 ሽሕ ወይ ድማ እቲ 0.1% ጥራይ’ዩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክረክብ ክኢሉ።

ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፣ ዝወሓደ ብዝሒ ተጠቃሚ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር፣ ኤርትራ ምዃና፣ እቲ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓቖፈ ማሕበር የመልክት።

ኤርትራ፣ 1.3% ካብ ብዝሒ ህዝባ’ዩ ተጠቃሚ ኢንተርነት።

እዚ ማለት ድማ ካብ ኣስታት 5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ 52 ሽሕ ጥራይ’ዩ ተጠቃሚ ኢንተርነት ክኸውን ዝኸኣለ።

ብኣንጻር ሰሜን ኮርያን ኤርትራን፣ ኣብ መንጎ ስጳኛን ፈረንሳን ተቐርቂራ እትርከብ ንእሽቶ ሃገረ ኣንዶራ፣ ኣብዛ ዓለምና ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ኢንተርነት ዘለዋ’ያ።

እዛ ሃገር፣ 77 ሽሕ ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ክህልዋ እንከሎ፣ እቲ 98.9% ተጠቃሚ ኢንተርነት’ዩ።

ኣይስላንድን ኖርወይን ነዛ ሃገር ስዒበን፣ ነፍሲ ወከፈን 98.6% ከምኡ ድማ 98.4% ካብ ብዝሒ ህዝበን ስሩዕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ይውንን።

ብደረጃ ዓለም፣ ብዝሒ ህዝቢ ተጠቃሚ ኢንተርነት 4.54 ቢልዮን ኣቢሉ ክግምገም እንከሎ፣ እዚ ድማ58.8% ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና’ዩ።

===================