ቦሎኛ፣ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ምግሃስ መሰልን ደው ክብል ዝጽውዕ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 16 September 2019

ካብ ዝተፈላለ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ናብ ኢጣልያ ከተማ ቦሎኛ ዝወፈሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ደው ክብል ጸዊዖም።

እቶም ኤርትራውያን፣ ብቀዳም 14 መስከረም ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ ኢጣልያ’ውን፣ ንኩነታት ኤርትራ ቆላሕታ ክህቦ ተላብዮም።

ኣብቲ፣ “ባርነት የብቅዕ”፣ “ስደተኛ ይመለስ”፣ “ሕጊ ይንገስ”፣ ዝብልን ካልእን ጭርሖታት ዘልዓለ፣ ሰልፊ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ደቂንስትዮ ብብዝሒ ዝተሳተፍኦ ኔሩ።

እዚ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ቦለኛ ዝተጸምበለ፣ ምምስራት 40 ዓመት ሃገራዊ ማሕበር ደቂንስትዮ ኤርትራ (ሃማደኤ)፣ ምክያዱ፣ ተወሳኺ ትርጉም ይህብ።

ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝመሓደር ሃማደኤ፣ ንመሰላት ደቂንስትዮ ክጣበቕ ዘይኮይኑ፣ መጋበርያ እቲ ስርዓት ብምዃን፣ ግዳይ’ዩ ዝገብረን ዘሎ ክብላ፣ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ዝኽዕነ ደቂንስትዮ ይነቕፈኦ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Berhane Haile 5 years ago

    ኣቱም ሬድዮ ኤረና፡ ካብዞም ቢቢሲ ገዲድኩም ኣብቲ ትግርኛ። ቦሎኛ፣ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ምግሃስ መሰልን ደው ክብል ዝጽውዕ ሰልፊ ተኻይዱ። እዚ ከም ኣርእስቲ ተጻሒፉ ዘሎ ሰዋስዉ ዘይሃለወ ተራ ሰብ ዘይገብሮ ጌጋ እዩ። በጃኻትኩም ነቲ ተቕርቡዎ ጽፉፍ ዜና ብቅኑዕ ትግርኛ ጽሓፉዎ።