ኢትዮጵያዊ ጀነራል ዝመርሖ ኣስታት 14 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ደቡብ ሱዳን ክዋፈር’ዩ

ኢትዮጵያዊ ጀነራል ዝመርሖ ኣስታት 14 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ደቡብ ሱዳን ክዋፈር’ዩ

Radio Erena: 25 June, 2014

ethio General

ኢትዮጵያዊ ጀነራል ዝመርሖ ኣስታት 14 ሽሕ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ደቡብ ሱዳን ክዋፈር’ዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን፣ ናብ ዝበኣሰ ግጭት ከየምርሕ ካብ ዝብል ስግኣት፣ ብኢጋድ ዝቖመ ሓይሊ ናብታ ሃገር ክዋፈር ከምዝወሰነ ኣይርሳዕን።

ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ኢትዮጵያ ሌተናት ጀነራል ዮሃንስ ገብረ መስቀል ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ኮይኑ ንክመርሕ ዋና ጸሓፊኡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ብወግዒ ከምዝመዘዞ’ውን ተፈሊጡ።

 

ሌተናተ ጅነራል ዮሃንስ ገበረመስቀል ኣቐዲሙ’ውን ኣዛዚ ናይቲ ንመንግስታት ካርቱምን ጁባን ዘሰሓሓበ ዞባ ኣብየይ ዝዋተፈረ ዓቅብ ሰላም ሰራዊት ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ጀነራል ኣብቲ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ግንባር ቡረ ከም ኣዛዚ ኮይኑ’ዩ ከምዝሰርሐ’ውን ይፍለጥ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0