ቻይናዊ ትካል “ሁዋይ”፣ ንስርዓታት ኣፍሪቃ ብምድጋፍ፣ ኣብ ልዕሊ ተቓወምተን ጠለፋን ስለያን የካይድ ከምዘሎ ተወቒሱ

Radio Erena: 19 August 2019

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ብሓገዝ ትካል “ሁዋይ’ ናይ ቻይና፣ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፍታት ስለያ የካይድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ዎርልድ ስትሪት ጆርናል ዝተባህለ ናይ ኣመሪካ ጋዜጣ ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ፣ እቲ ሁዋይ ዝተባህለ ናይ ቻይና ትካል ኤሌክትሮኒክስ፣ ንኣባላት ስለያ መንግስቲ ኡጋንዳ ብምሕጋዝ፣ ንህቡብ መራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር፣ ቦቢ ዋይን ኣብ ምጽንጻን ከምዝተዋፈረ ኣረዲኡ።

እቲ ትካል፣ ንስካይፕ፣ ዋትስኣፕ፣ ፌስቡክን ካልእ በቲ ህቡብ መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ዝውነኑ መርበባት ማሕበራዊ ሜድያ፣ ብምስርሳር፣ ዝተለዋወጦም ሓበሬታ ብመንግስቲ ከምዝፍተሹ’ዩ ጌሩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ መስመራት ቴሌፎናት ቦቢ ዋይንን ካልኦት ፖለቲከኛታትን ክጠልፍ ከምዝኸኣለ’ዩ ተሓቢሩ።

እንተኾነ መንግስቲ ኡጋንዳ እቲ ብማዕከናት ዜና ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፣ ውጹእ ሓሶትን ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተን’ዩ ክብል ነጺግዎ ኣሎ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኡጋንዳ፣ ዘንግ ዙ ኪያንግ ንመንግስቲ ኡጋናድ ብምድጋፍ፣ ትካል ሃገሩ ኣብ ናይ ስለያ ስራሕ ከምዘይተዋፈረ ምጥባቑ ደይሊ ሞኒተር ጃብ ካምፓላ ሓቢራ።

ቦቢ ዋይን፣ ኣብ 2021 ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ን33 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደት ዩዌሩ ሚሴቪኒ ክብድህ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ህቡብ መንእሰይ ፖለቲካኛ እታ ሃገር’ዩ።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ኣብ ቴሌኮሚኒኬሽን፣ ዲጂታል ቴክኖሎጂ፣ ኤሌክትሮኒስን ምስ መንግስቲ ቻይና ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ፣ ኩባንያ ሁዋይ ኣብታ ሃገር ሓያሎ መንግስታዊ ንጥፈታት ተዋፊሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ናይ ቻይና ዓርሞሽሽ ትካል ኤሌክትሮኒክስ፣ ብዘይካ ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ስለያን ምጽንጻንን ተግባራት ብምውፋር፣ ዕድመ መለኽቲ ስርዓታት የናውሕ ከምዘሎ ይውቀስ።

መንግስቲ ዛምብያ’ውን፣ ምስዚ ናይ ትካል ብምትሕብባር ተመሳሳሊ ናይ ስለያ ተግባራት ይፍጽም ኣሎ ንዝብል ዝቐረሉ ክሲ ነጺጉ’ዩ።

“ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃገራት ዘይምእታው” ብዝብል ጉልቡብ ፖሊሲ፣ ቻይና፣ ንወፍሪን ንግድን ሃገራት ኣፍሪቃ ንምብሓት፣ ፣ ንመለኽቲ ስርዓታት እዛ ኣህጉር ብዝከኣላ ትሕግዝ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0