ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፣ ዑመር ሓሰን ኣል በሺር፣ ብክሲ ብልሽውና ናብ ፍርዲ ቀሪቡ

Radio Erena: 19 August 2019

ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣል በሺር፣ ብክሲ ብልሽውናንን ምጥፍፋእን ናብ ፍርዲ ቀሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ሎሚ 19ነሓሰ፣ ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቀረበሉ፣ ብጉልባብ ህያብ፣ ብዝሒ ሃብቲ ምኽዕባቱን፣ ካብ ሃብቲ ሃገር ዘጠፋፍኦ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ናይ ውልቁ ካዝና ምቕማጡን’ዩ ተኸሲሱ።

ኣብ 2005 ኣብ ዳርፉር ተፈጺሙ ብዝብሃል ዓሌታዊ ህልቂት፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝህደን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር፣ ኣንጻሩ ብዝተጎሃሃረ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፣ ኣብ ሃገሩ ንካልኣይ ግዜ’ዩ ናብ ፍርዲ ዝቐረብ ዘሎ።

ንሱ፣ ጉዳዩ ንካልኣይ ግዜ ናብ ፍርዲ ዝቐርብ ዘሎ፣ ንሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ዝሓቆፈ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲን ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳንን፣ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፣ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ፣ ብልፍንቲ ንምቛም ስምምዕ ኣብ ዝኸተምሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ናብ ጎደና ደሞክራሲ ዶ ናብ ዝበኣሰ ምልኪ ክትወድቕ’ያ ኣብ ቀረና መንገዲ እትርከብ ሱዳን፣ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆታትታ፣ ገጢሙዋ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው’ዩ።

እታ ሃገር ገጢሙዋ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው፣ ብዘይካ’ዚ ድሕሪ ምፍላይ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ነዳዲ ዝርከብ ዝነበረ እቲት ምቁራጹ፣ ሰበ ስልጣን ስርዓት በሺር ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ብልሽውናታትን ምጥፍፋእን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0