ኣልሸባብ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካየድ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ልዑል ጸጥታዊ ጥንቃቀታት ይካየድ ኣሎ

ኣልሸባብ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካየድ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ልዑል ጸጥታዊ ጥንቃቀታት ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 9 June, 2014

shimels

ኣልሸባብ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘካይዶ ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕታት፣ ኣብ ኢትዮጵያን ኡጋንዳውን’ውን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ውዲት ሓንጺጹ ከምዘሎ ዝእንፍት ጸጥታዊ ሓበሬታ ስለዝተረኽበ እዘን ሃገራት ኣብ ልዑል ተጠንቐቕ ከምዝርከባ ተገሊጹ።

ኢትዮጵያ፣ ካብዚ መጥቃዕቲ’ዚ ብምስጋእ ከተካይዶ ብዝጸንሐት ስለያውን ጸጥታዊ ወፍርታት፣ ነቲ መጥቃዕቲ ከካይዱ ዝወጠኑ ዝበለቶም 25 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከተእቱ እንከላ፣ ኡጋንዳ ብወገና፣ ኣብ ሓያሎ ህዝባዊ ቦታታት ልዑል ጸጥታዊ ምክትታል ተካይድ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

 

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ 25 ጥርጡራት፣ ካብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 305 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ጂማ ተኸታታሊ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ዝወጠኑ’ዮም ክብል ሓቢሩ።

ኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ ፍረድ ኢናንጋ ብወገኑ፣ ንጋዜጣ ሃገሩ ‘ኒው ቪዥን’ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብ ኬንያ ዶብ ሰጊሮም ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣብ ከተማ ካምፓላ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከምዘለዎም ስለያዊ ሓበሬታ ከምዝተረኽበ ኣረዲኡ።

ኣልሸባብ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፣ ኣብ እዋን ግጥማት ዋንጫ ዓለም፣ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢትዮጵያ ቤት መግቢ ብዘካየዶ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፣ ዋንጫ ዓለም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሸውዓተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 75 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣይርሳዕን።

===========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0