ኣርባዕተ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘለዎም መርገጺ ዘነጽር መልእኽቲ ዘርጊሖም

ኣርባዕተ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘለዎም መርገጺ ዘነጽር መልእኽቲ ዘርጊሖም

Radio Erena: 6 June, 2014

Abune

ህዝቢ ኤርትራ፣ ብቁጠባዊ ቅልውላው፣ ብዋሕዚ ስደትን ሳዕቤናቱን ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማትን ኣብ ከቢድ መከራ ወዲቑ ክነሱ፣ እቲ ጠንቂ “ኣይሰላም ኣይኩናት” ስለዘሎና’ዩ ዝብል መደምደምታ ክወሃቦ፣ ነዚ ኵነት’ዚ ንምልዋጥ ድሌት ወይ ዓቕሚ የለን ድዩ ዝብል ሕቶ ከምዘልዕል ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ገሊጾም።

እቶም መንበረ ኣስመራ፣ ባረንቱ ከረንን ሰገነይትን ዝወከሉ ኣርባዕተ ካቶሊካውያን ጳጳስት፣ ነዚ ገለጹ፣ ብምኽንያት መበል 23 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ 25 ግንቦት ግንቦት “ሓውኻ ኣበይ’ሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ምእመናን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዘመሓላለፍዎ 35 ገጻት ዘለዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ’ዩ።

 

እቶም ስሞምን ክታሞምን ብምንባር ኣብ ህሉው ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ሃገርና ተኸስቱ ዘሎ ጸገማትን ሃጓፋትን ብዝርዝር ዝገለጹ ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣-

1- ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም፣ መንበረ ኣስመራ
2- ኣቡነ ቶማስ ዖስማን- መንበረ ባረንቱ
3- ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ- መንበረ ከረን
4- ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ካብ መንበረ ሰገነይቲ’ዮም።

እቶም ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ዓሚ ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ዘጋጠመ ህልዊት ላምፔዱሳን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠሮ ስንባደን ራዕድን ብምዝኽኻር፣ ‘ዘለናዎ ሃዋሁ ተመሳሳሊ ክስተት ንኸየጋጥም ኣብ ክንዲ ዝፈትሕ መሊሱ ዘጋድድ ስለዝኾነ፣ ነዚ ካብ ሓያሎ ዓመታት እናሳዕ ይረአ ንዘሎ ህልቀትን ሕልፈትን ደቅና፣ ነገር ዕላልን ወረን ጥራሕ ንዝገበርናዮ ነኣና፣ ዘየቕስንን ዘየደቅስን ሕቶ የሓተና ኣሎ ክብሉ’ውን ጠቒሶም።

ካቶሊካውያን ጳጳሳትን ኤርትራ፣ ኣብቲ ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ’ ዝሰመይዎ መልእኽቶም፣ ህልቂት ባሕርን ሰሃራን፣ ስደትን ሳዕቤናቱን፣ ማሕበራዊ ህይወት፣ ሃለዋት ስድራቤታት፣ ግዝኣተ ሕጊ፣ ትምህርትን ቁጠባን፣ ስነ ምግባርን መንፈሳዊ ህይወትን፣ መሰረት ጸገምና እንታይ’ዩ ከምኡ ድማ ጉዕዞ ናብ ሰላም ዝብልን ካልእ እዋናዊ ጉዳያትን በበርእስታቱ እናኸፋፈሉ’ዮም ዘለዎም ኣረኣእያን መርገጽን ዘነጸሩ።
ንሳቶም ዓዲ ሰላም፡ ዓዲ ፍትሒ፡ ዓዲ ስራሕ፣ ዓው ኢልካ ዝመሰለካ እትዛረበላ፡ ሰሪሕካ እተሓድረላ ዓዲ ምስ ሓዝካ፣ መዓር ገዲፉ መዓር ዜናዲ ስለዘየልቦ፣ ንስደት ክንዲ ዘማዕድዉን ዝኸዱን፣ ካብ ስደት ዚምለሱን ዚውሕዙን መንእሰያት ኪህልዉና ናይ ግድን ስለዝኾነ ፣ ስለምንታይ መንእሰያትና ዓድጓና ዘማዕድዉ ምባል ጥራይ ትርጕም ከምዘይህልዎ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ሕቶ’ዚ ድማ ንመራሕቲ ፖለቲካ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን መላእ ህዝብን ዝምልከት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ልዕሊ ስደት ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር (ኣብ ኣገልግሎት፣ ኣብ ሰራዊት ኣብ ኣብያተ-ተሃድሶን ማእሰርትን…ብዚርከቡ ኣባላታ ዝተነጻጸለት ስድራቤት፡ ዝሸምገሉን ናባዪ ዝሰኣኑን ወለዲ፡ መንፈሶም ብዓሚቝ ተሃስዩ ከም ዝርከብን እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ድማ ሃገር የባድም ከምዘሎን ኣረዲኦም።

ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ኣብ ዘልዓልዎ ዛዕባ ድማ ኣብ ርእስ’ቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን፣ እኹል ዘይኮነ ደሞዝን፣ እናሓደረ ዚውንጨፍ ናይ ኣባይቲ ክራያትን፣ ዝመረጽካዮ ስራሕ ምስራሕ ዘይምኽኣል፣ ክትንቀሳቐስን ክትሰርሕን፣ ብረሃጽካን ፍረ ስራሕካን ምንባር እንተ ዘይተኻኢሉ፡ በዚ ዓይነት’ዚ እቲ ናጽነት ውልቀ-ሰብን ሕዝብን እንተ ዘይደልዲሉ፣ ነቲ ናጽነት ሃገር ብኸመይ ኢና ክንርድኦ? ዝብል ሕቶ’ውን ኣልዒሎም።

ብሕጊ ዚሕተትን ዚእሰርን ኵሉ፡ ቅድሚ ኵሉ ብሰብኣውነትን ብናይ ድንጋጸ ኣገባባትን ዚተሓዘሉ፣ ቀጺሉ ድማ በቲ ጥሒስዎ ዝተባህለ ሕጊ መሠረት ብዝቐልጠፈ ኪፍረድን ጕዳዩ ኣብ መዕለቢኡ ኪበጽሕን፣ብዓቢኡ ከኣ ብቅዋማዊ ሕጊ ክትምራሕ ምድላይ፣ ዝኾነ ይኹን ንርትዕን ፍትሕን፣ ንኡነተይና ሓርነትን ዝቖመ ኣካል ዚጽበዮ ነገር ስለዝኾነ፡ ዕቱብ ኣቓልቦ ኪረክብ ኣለዎ ክብሉ’ውን እቶም ጳጳሳት ጸዊዖም።

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፣ ብሓባር ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ህዝብን ብዝምልከት ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ከመሓላልፉ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ።

ኣብ 2001’ውን ‘እግዚኣብሔር ነዛ ሃገር የፍቅራ’ዩ’ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሳሳሊ እዋናዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣይርሳዕን።

ክቡራት ተኸታተልትና፣ ጽሟቕ ትሕዝቶ ናይዚ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንህልዉ ከነታት ዘለዎም መርገጺ ብዝምልከት ናብ ህዝቢ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ኣብ ናይ ሰኑይ ፈነወና ከነቕርበልኩም ኢና።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0