95 ኤርትራውያን ምሁራትን ሰብ ሞያን፣ ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ህሉው ኩነታት ኤርትራን ዝምልከት ማኒፌስቶ ዘርጊሖም

Radio Erena: 07 April 2020

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሁራትን ሰብ ሞያን፣ ኮረና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ቅልውላቅ ከየኸተለ እንከሎ ንምውጋዱ ኣብ ዝግብር ርብርብ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መንግስቲ ብምዝማድ ማኒፌስቶ ዘርጊሖም።

እቶም 95 ናይ ዶክትረይት ማዕረግ ዘለዎም ምሁራን ሰብ ሞያን፣ ኣብቲ “ማኒፌስቶ 2020” ኢሎም ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ በደል እንዳ ፈጸመ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት እውን ብዘይእዱብ ፖለቲካዊ ሽርሕታት እንዳ ተቛመረ እንከሎ፡ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ይላባዓሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ከምኡ ድማ ትሕተ ቅርጺ ሕክምናዊ መሰላጥያታት ሃገርና ብደረጃ ዓለም ሓደ ካብ’ቶም ዝደኸሙ መሳለጥያታት ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ መጠን፡ ኤርትራ ናብ ሓደ ዓቢ ሰብኣውን ፖለቲካውን ቅልውላው ተቓሊዓ ትርከብ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ኮቪድ-19 ዝበሃል ለበዳ ሕማም፡ ይትረፍ ነታ ብዋሕዲ ዝስተ ማይን ዘይስሩዕ ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ዘለዋ ሃገርና ኤርትራ፡ ነተን ብቑጠባን ካልእ መዳያትን ንቕድሚት ኣጸቢቐን ዝሰጎማ ሃገራት እውን ዓቢ ብድሆ ኮይኑወን ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ በቲ ንሓደጋታት ኮቪድ-19 ንምጉዳል ተባሂሉ ዝወጸ መምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ክቕየድ፡ ኩሎም ዝተዓጽዉ ማእከላት ሕክምናታትን ንኣሽቱ መደበራት ጥዕናን ክኸፍት፡ ከምኡ ድማ ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራትን ቀለልቲ ገበናት ዝፈጸሙ እሱራትን ንክፈትሕ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ጥዕና ዓለምን ጸቕጥታት ክገብሩሉ ጸዊዖም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ፣ ብካቶሎካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝመሓደር ዝነበረ 10ታት ማእከላት ሕክምና ንገሊኡ ከምዝሃገሮን ንገሊኡ ድማ ከምዝዓጸዎን ይፍለጥ።

እዞም ብዕድመን ብሞያን ከምኡ ድማ ዝነብርሉ ሃገራትን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ምህዉራት ኣብ ዝዘርግሕዎ ነዊሕን ዝርዝርን ትሕዝቶ ዘለዎ ማኒፌስቶ ብዘይካዚ፣ ኣቶ ኢሰያስ አፍወርቂ ንኤርትራ ከመሓድር ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ መመኽነይታታት ከምዝሰኣነ ብምጥቃስ፣ ካብ ስልጣን ንኸልግስ ድማ ግዚኡ ካብ ዝሓልፍ ብዙሕ ዓመታት ከምዘቑጸረ ኣመልኪቶም።

ኣብ መደምደምታ ድማ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን ህሉውን መጻእን ኩነታት ሃገሮም ብግቡእ ተረዲኦም ክተኣኻኸቡን ነታ ብብዙሕ ጻዕሪ ዝተረኽበት ሃገሮም ንምዕቃብ ክሰርሑን ምርኣይ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኣስሚረምሉ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar
    simon hadish 4 years ago

    bzaeba nay hizbkum halafnet wesidkum tgebrwo zelekum nezi weridu zelo nikulu hizbi alem mihret kewrdelu nihzbna hizbi Eritrea kea mis eti zelo shigrn kab zelo mihdera abi tinkaken bzkalkum gosgas enda akayedkum hizbna keterdu enda temeneku tsibuk hasab wesidkum alekum emo fre tsaerkum amlak yhabkum

  • comment-avatar

    B mejemerta selam bmqxal ane zblo bmeseretu Eiseyasn wela hade xbuk neger zeyblu n hzbu bfrhn raidn zemehadr hzbu ktimo zeydeli nsltanu kenawhalu zkil mengedi inber nhzbn hagern bgiega ika hasibu zeyfelt skayn tfeatn hzbu zeygermo hager bnatu memrhitat tray ktmrah inber reito nay kaleot zeyqbel. eilka ika zeywdai bedelat ina fexeme znebr mengsti yu zelena imo knblon kngebron nkil neger inteliyus msakum alena kburat yehwat ab hagerna lomi seb hamimu zhkemelu wela hade hkmnan medhanitn kemzeyele wn bezi agatami kgelx yfetu ajokum 🧠 ab godnkum alena zkeberkum yehwat

  • comment-avatar

    ኣርእስቲ ሕጂ ግርም

    ክቡራት ኤርትራውያን መጀመርታ ካብዚ ለበዳ ኮሮና ቫይርስ ምስቶም ዝድሕኑ የድሕንኩም ኣምየን።
    ክብራት ዘጋታተይ ኣማሓደርቲ ሪድዮ ኤረናን ተኻታተልቲ ረድዮ ኤረናን ቅድሚ ዝኣገረ ክቡር ሰላምታ ይብጻሕኩም።
    በሉ ናብቲ ሕጂ ግርም ኢለ ኣርእስት ሂበዮ ዘለኹ ከብለኩም ቕድሚ 20 ዓመት ይኸውን ንሙሁራታ ብጣዕሚ እየ ጸሊኤዮም ነይር ምኽንያቱ ሙርሁ ማለት መብራህቲ ሃገር ዓይኒ ሃገር ሙሁራት ዓገብ ባሃልቲ መራሕቲ ጎደና ብልጽግና ሙሁራት ንሓንት ኩቡር ዋጋ ግዚኦም ዝህቡ ኮታ ሙሁራት ሞያኦም እዚልካ ጸብጺብካ ኣይውዳኣን ኢዩ።
    ሙሁራን ንሓንቲ ሃገር ሃገር ክንዲ ኹሉ ኢዮም ንዓይ።
    ሙሁራት ናይ ዓድና ግን እተራኣኹዎም ተጸበኽዎም ክኾኑስ ይትረፍ መብዛሕቶኦም ነይቲ ስርዓት ኣገልገልቲ ኮይኖም የገልጉሉ ነይሮም ሕጂ ጸረር እናበሉ በብቕሩብ ምምጾኦም ክብሪ ይህቦም እዚ ክብል ከለኹ ጂ 13 ሓንሳብ ፈተነ ባጋ ገይሮም ነይሮም ነቲ ስርዓት ክመኽሩ ግን ስርዓት ኣስመራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግደፍዶ ክሰምዖም ክብሪ ከማን ኣይ ሃቦምን ብድሕሪኡ ኣብ ደውታ ምስ ኣተው እመኑኒ ኣነ አይ ተማሃርኩ ሰብ ብስዓል በትሪ ናይ ምንባብን ምጽሓሓፍን ዘይ ፈልጥ ደረጃ ትምህርተይ 4ይ ክፍሊ ንምህራት ኮቋናጽብ ጉቡእ ኣይኮነን ይርዳኣኒ
    ሙሁራት ብርዖምን ኣፎምን ምስ ኣብ ደውታ ምስ ራኣኹዎም እዛ ናይ ትግርኛ ምጽሓፍ ኣብ ኮምፒተር ክማሓራ ኣለኒ ኢለ ወሲነ ግእዝ ሳፍትዌር ዕድምን ጥዕናን ይሃቦ ካብ የማነ ርእሶም ዝብሃል ኑቑሕ ሙሁር ኤርትራዊ ሓቲተ ካቡኡ $80 ዶላር ሂበ ገዚኤ ትምህርቲ ዘይብለይ ከልርኹ ካብ ዚሮ ጀሚረ ባዕለይ ሰብ ከየርኣየኒ የማሂረ ኪኢለያስ ብዛዕባ እዚ ስርዓት ህግፈግ ካብ ኣማጻጹኡ ኣትሒዘ ዕላሙኡ ንምጽናት ህዝቢ ምዃኑ ብዙሕ ኣርትክል ዘርግሔ ብዛዕባ ተቃውሞ ደንበ ክበር ዘለዎ ብዙሕ ዘርሂሔ ብዛዕባ ውሽጣዊ ምድሕርሓር ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ደምበ ቡዝሕ ኢየ ጺሒፈ ስለምንታይ ካብ ሙሁራት ተስፋ ሲኢነ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ስለ ዝበጻሕኩ።
    ብዝኾነ ሕጂውን ንዝተረፈ ህዝና ንምድሓን ክምዚሎም ሙራትና ክእከቡ ብጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ይሕጎስ እንበር ጭድድ ፍንጭሕ ይብል ብታሕጓስ እልልልልልልልልልልልልልል
    9 ግዜ እልልልልልልልልልል ልደተ ሙራት ሕጂ ተወሊፎምና ኢለ ይሕጎስ
    የቕንየለይ
    ገብሪሂወት (ኣቡ ዓሸራ) ይባሃል ካብ ኣመሪካ ካሊፎርነያ ኢየ።

  • comment-avatar

    ሀገረ ኤርትራ መፈተኒ ሜዳ ሓዲሽ ዓለማዊ ሥርዓት ኮይና ንጉሥ30 ዓመታት ከም ዝጸንሐት ነዞም ምሁራት ክውል አይኮነን። ሎሚ ድማ እቲ ብሄንሪ ኪሲንጀርን ቢልጌትንጉሥ ዝምራሕ ዓለማዊ ስርዓት ብኮሮና ቢረይረስ ፈብሪኹ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም አብ ራዕድን ሽበራን ሸኺሉዎ ይርከብ። ስለዚ እዞም ምሁራን ሕጂውን ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ምውሳዶም ዝምጎስ አዩሞ ተቓወሞኦም ብዝያዳ ከበርትዑ ነመሕጽን።።