81 ተጣበቕቲ መሰል ደቂሰብ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ዝርከቦም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ እሱራት ጋዜጠኛታት ክፈትሑ ጻውዒት ኣቕሪበን

Radio Erena: 07 April 2020

መሰል ደቂን ሰብ ዝጣበቓ 81 ትካላት፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም መራሕቲ ሃገራት እሱራት ጋዜጠኛታት ክፈትሑ ጻውዒት ኣቕሪበን።

እተን መሰል ጋዜጠኛታት፣ መሰል እምነታትን ካልእ መሰረታዊ መሰላት ደቂብ ሰብ ዝጣበቓ ኣህጉራውያን ትካላት ኣብ ዘቕረብኦ ጻውዒት፣ ኣብዚ ዓለምና ብለበዳ ኮረና ቫረስ ተጨናኒቓትሉ ዘላ እዋን፣ ኣቶ ኢሳይያስ ዝርከቦም 10 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቀይዶም ዝርከቡ ኣስታት 73 ጋዜጠኛታት ክፈትሑ’ዮም ተላብየን።

ኣብ ኣፍሪቃ ጋዜጠኛታት ኣሲሮም ዝርከቡ 10 መራሕቲ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ፕረዚድንት ኣልጀርያ ዓብደልማጂድ ተቡን፣ ፕረዚደንት በኒን ፓትሪስ ታሎን፣ ፕረዚደንት ብሩንዲ ፒየር ንኩሩንዚዛ፣ ፕረዚደንት ጋና ፖል ቡያ፣ ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞሮኮ ሰዓደዲን ኤል ኦትማኒን ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመን’ዮም።

እተን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ጋዜጠኛታት እሱራት ክፈትሑ ዝጽውዕ ደብዳቤ ብመንገዲ ኢመይል ከምዝተላእከ’ዩ ተሓቢሩ።

ቅዳሕ ናይዚ ጻውዒት ናብ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም’ውን ተላኢኹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ 73 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ጸብጻባት እዘን ትካላት የመልክት።

ብፍላይ ኣብታ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት እትስራዕ ኤርትራ፣ ኣብ 2001 ካብ ዝእሰሩ ንደሓር፣ ንልዕሊ 19 ዓመታት ደሃዮም ዝጠፍኡ ብውሕዱ 16 ጋዜጠኛታት ከምዘለው ይፍለጥ።

ኣቐዲመ፣ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኣምነስት ኢንተርናሽናልን፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብዝሒ ቤት ማእሰርታትን፣ ጻዕቂ እሱራትን ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምቹእ ስለዝኸውን፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ እሱራት ክፈትሕ ጸዊዖም’ዮም።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Kkkkk 4 years ago

    Kkkkkkkk