8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፣ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ

Radio Erena: 09 March 2023

ኣብዚ ኣብ ትሕቲ ‘ምቕባል ፍትሓውነት’ ዝብል ቴማ ዝተዘከረ መዓልቲ፣ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንትዮንዮ ጉተረዝ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ደቀንስትዮ ዓለም ጎዲሉወን ዘሎ ኣብ ሳይንስን ተክኖሎጂን ተሳታፍነት፣ ከምኡ’ውን ዕድላት ኢንተርነት ዘሎ ጋግ ክጸብብ፣ ኣድህቦ ክግበረሉ ጸዊዑ።

ደቀንስትዮ ኣብ ምህዞ ተክኖሎጂን ተጠቃምነቱን ብማዕረ እንተዘይተወኪለን፣ መሰለን ንኽርገጽ ርሒብ ኣፍደገ ስለዝኸፍት፣ ነዚ ጋግ’ዚ ንምጽባብ፣ ብተገዳስነት ክስርሓሎ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።

ብምርጋጽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ኣብ እትስራዕ ኤርትራ፣ ሸሞንተ መጋቢት ‘ኤርትራዊት፣ መኪታ ተድምዕ ብርሃጻ ተልምዕ’ ዝብል ናይ ገዛእ ርእሳ ቴማ ብምውጻእ እያ ዘኪራቶ።

ደቀንስትዮ፣ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት እውን ማዕረ ዕድላት ክኽፈተለን ኣለዎ ብምባል፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝሒ ዘለዎም ፕሮጀክታት ከፊቱ ይነጥፍ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0