400 ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ዝጸዓና ጀላቡ ኣብ ማእከላይ ባህሪ ጥሒለን

400 ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ዝጸዓና ጀላቡ ኣብ ማእከላይ ባህሪ ጥሒለን

Radio Erena: 18 April 2016

Dr

ኣስታት 400 ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ዝጸዓና ኣርባዕተ ጀላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒለን።

እተን መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማል ምዃኖም ዝተገልጹ ስደተኛታት ጽዒነን ካብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ዝተበገሳ ጀላቡ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመን ናይ ምጥሓል ሓደጋ መብዛሕቶም ከምዝምቱ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ብህይወት ዝተረፉ እንተለዉ ንምድሓኖም ጻዕርታት የካይድ እኳ እኳ እንተሎ፣ ዛጊት 29 ሰባት ጥራይ ከምዘድሓነ ማዕከናት ዜና የመልክታ።

ኣብዘን ካብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ዝተበገሳ ኣርባዕተ ጀላቡ ካብ ዝነበሩ ኣስታት 400 ስደተኛታት ብዝሒ ኤርትራውያን ብልክዕ ክፍለጥ ኣይከኣለን።

 

ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝብገሳ ዝነበራ ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ክብገሳ’ውን ይርኣያ ኣለዋ።

ኣብ ሊብያ ኣስታት 250 ሽሕ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብ ኢጣልያ ንምእታው ይጽበዩ ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

ብመንገዲ ገምጋም ባህሪ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ናይ ዝጽበዩ ዘለዉ ስደተኛታት ብዝሒ ግና ኣይተሓበረን።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0