30 ነሓሰ፣  ኣህጉራዊ መዓልቲ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ እሱራት ብደረጃ ዓለም ይዝከር

30 ነሓሰ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ እሱራት ብደረጃ ዓለም ይዝከር

Radio Erena: 30 August 2017

Eritrean Prisoners

30 ነሓሰ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም እሱራት ብደረጃ ዓለም ይዝከር።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ በቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከብን ሃገራት፣ 10ታት ጋዜጠኛታት ሃለዋቶም ጠፊኡ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ መስከረም 2001 ብጅምላ ዝተኣስሩ፣ ኣዳለውትን ጋዜጠኛታትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝርከብዎም 10ታት ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዞም ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣሲሮም ዝርከብ ኤርትራውያን፣ ንስድራቤቶም ኮነ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ሃለዋቶም ምሕባር ሓንጊዱ ይርከብ።

ሓያሎ ካብዞም ንነዊሕ ዓመታት ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ውን በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሃለዋቶም ዝጠፍአ እሱራት ኣብ ዝተዘከረሉ፣ በዚ ገበን እዚ ምስ ኤርትራ ቀዳሞት ዝተወቕሳ ሃገራት፣- ኣልጀርያ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሶርያ፣ ኢራን፣ ፓኪስታን፣ ቱርኪመንስታን፣ ቻይናን ከም ቸችንያን ምብራቕ ኡክሬንን ዝኣመሰላ ርእሰ ምምሕዳራትን’የን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0