3 ጥቅምቲ 2013 መቕዘፍቲ ላምፐዱዛ፣ ብኤርትራውያን ትዝከር

Radio Erena: 03 October 2021

3 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መቕዘፍቲ ዝወረደላ መዓልቲ፣ ብሓያሎ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር።
ኣብ 2013 ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝሓለኑ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዝሓዘት ጃልባ ምብጥሓላ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ታሪኹን ዘይወጽእ ሓዘንን በሰላን ዝገደፈት ዕለት 3 ጥቅምቲ፣ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ሬሳታት’ቶም ግዳያት ንቤተሰቦም ኣይተዋህበን።
ኣብቲ እዋን ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ዘመደ ተኽለ፣ ሬሳታት’ቶም ግዳያት ናብ ኤርትራ ዝለኣኸሉ መንገዲ ንምንዳይ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ይዘራረብ ምንባሩ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፣ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ኢሉ ምንባሩ፣ እነሆ ሸሞንተ ዓመቱ መሊኡ ክሳብ ሕጂ ኣይተተግበረን፣ ክብሉ ተጣበቕቲ መሰላት ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳቤ ገሊጾም።
እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ፣ ግዳያት ናይ ርድኡና ኣውያት እንዳስምዑ፣ ብሃገራት ኤውሮጳ ዝውነና መራኽብ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ከይገበራ፣ ብጥቓኦም ምሕላፈን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ሞራላዊ ሓላፍነት ክወስደሉ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ቀሪቡ’ዩ።
ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ 3 ጥቅምቲ ከም ምልክት ኮይና ደኣ ትዝከር ኣላ እምበር፣ ብድሕሪኡ እውን እንተኾነ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ሞት ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደው ከምዘይበለ ገሊጾም። ናይዚ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ የእቲኻ ዝግበር ጉዕዞ፣ ብዓቢኡ ከኣ ስደት ኤርትራውያን፣ ቀንዲ ተሓታቲ እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ህግደፍን ዝኽተሎ ዘሎ ግዕዙይ ምሕደራን ምዃኑ ከኣ ገሊጾም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0