RADIO ERENA – Friday, 15 March 2024
ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘስግኣ ኣመሪካ፣ ምስታ ንሑቲ ከምእትድግፍ ዝንገረላ ኢራን ብምስጢር ከምዝዘተየት መጽሔት ፋይናንሻል ታይምስ ሓቢራ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፣ ኣብ ዖማን ከምዝተኻየደ ዝተነግረሉ ዘይቐጥታዊ ዘተ፣ ብዛዕባ‘ቲ ኢራን ከተማዕብሎ እትውጥን ዘላ ኑክሌራዊ ኣጽዋር‘ውን ዘጠቓለለ ምንባሩ‘ዩ ተጠቒሱ።
ብዛዕባ‘ቲ ዘይቀጥታዊ ዘተ ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃግራት ከምዘረጋገጹላ‘ያ እታ መጽሔት ገሊጻ።
ብኢራን ከምዝድገፉ ዝንገረሎም፣ ሑቲ ናይ የመን፣ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ ናይ ንግዲ መራኽብ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕታት፣ ንኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ሻቕሎት ፈጢሩለን ይርከብ።
ናይ ንግዲ መራኽበን ንምሕላው ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወትሃደራውያን መራኽብ ኣዋፊረን ዝርከባ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ፈረንሳን፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት፣ ካብ ሑቲ ዝተወንጨፋ ሓያሎ ድሮናት ከምዘዕነዋ‘የን ዝሕብራ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒት ደው ከየበለት፣ ሑቲ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ካብ ምጥቃዕ ከምዘይዕገት‘ዩ ዝገልጽ።
=================
COMMENTS