22 ነሓሰ ኣብ ዝጅምር ቮልታ ስጳኛ፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ ክሳተፍ’ዩ

22 ነሓሰ ኣብ ዝጅምር ቮልታ ስጳኛ፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ ክሳተፍ’ዩ

Radio Erena: 19 August 2015

Nat spa

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ቀዳም 22 ነሓሰ ኣብ ዝጅምር ቅድድም ግራንድ ቱር ቮልታ ስጳኛ ክሳትትተፍ’ዩ።

ኣብ ዙር ኦስትርያን ዙር ዩታን ዝምስገን ውጽኢት ዘመዝገበ፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ፡ ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ቮልታ ስጳንያ፡ ንክለቡ ወኪሉ ከም ዝወዳደር እታ ጋንታ ብወግዒ ኣፍሊጣ ኣላ።

ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይ’ቶም ኣብ’ዚ ብዕብየቱ ኣብ ዓለም ምስ ቀዳሞት 3 ዝስራዕ ውድድር ብሽክለታ እተሰልፎም 9 ተቐዳደምቲ ዘፍለጠት ክትከውን ከላ፡ 7 ካብኣቶም ኣፍሪቃውያን እዮም።

 

ኣብ ቮልታ ስጳንያ ንኻልኣይ እዋን ትወዳደር ዘላ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ፡ ኣብ’ዚ ዙር፡ ሻምፕዮን ኤርትራ 2015 ናትናኤል ብርሃነን ተዓዋቲ መበል 14 መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ስቲቭ ካሚንግስን ከም ዝመርሕዋ ገሊጻ ኣላ።

ናትናኤል ብርሃነ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ’ዚ ዙር ማልያ ፈረንሳዊት ክለብ ዩሩፕካር ለቢሱ ተወዳዲሩ ምንባሩ ይዝከር።

ናትናኤል ብዛዕባ’ዚ 22 ነሓሰ ዝጅምር ቅድድም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንኻልኣይ እዋን ኣብ ቮልታ ስጳንያ ብምውድዳረይ ሕጉስ እየ። ከም ሻምፕዮን ኤርትራ መጠን ንሃገረይን ንኣፍሪቃን ክውክል ዕድል ረኺበ ኣለኹ። ኣብ ዙር ዩታ ዘርኣኽዎ ብቕዓት ኣብ’ዚ ውን ከንጸባርቖ ተስፋ ይገብር። እዛ ጋንታ ብንፉዓት ተቐዳደምቲ እያ ተሃኒጻ ዘላ። ንኣፍሪቃውያን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ደገፍቲ ከም ወትሩ ከነሐብኖም ኢና ኢለ ይሓስብ።” ኢሉ።

ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ፡ ኣብ’ዚ ዙር፡ ዕላማኣ፡ ከም ናይ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ናይ መድረኽ ዓወት ምምዝጋብን ንዝተወሰነ እዋን ካብ’ተን ተዳልየን ዘለዋ ማልያ ምልባስን እዩ ክኸውን።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0