ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተወለዐ ዶባዊ ግጭት ንምፍታሕ እማመ ኣቕሪባ

Radio Erena: 11 September 2022

ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተወለዐ ዶባዊ ግጭት ንምፍታሕ እማመ ኣቕሪባ።
ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቱት ጋትሉዋክ ማኒም ብ9 መስከረም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ፣ ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዛ ክትንቀሳቐስ ምጽንሓ ብምዝኽኻር፣ እቲ ግጭት ሰላማዊ መዓልቦ ክረክብ፣ ናይ ክልቲኦም ወገናት ቅሩብነት ጠሊቡ።
እቲ ደቡብ ሱዳናዊ በዓል ስልጣን ብተወሳኺ፣ እዚ ቀሪቡ ዝበሃል ዘሎ እማመ ሰላም፣ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ብምትሕብባር ከምዝተሰርሐ ኣመልኪቱ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፣ ምስ መራሕቲ’ታ ሃገር ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ካብ ወተሃደራዊ ጎንጺ ክቑጠቡን፣ ቀዳምነት ንዘተ ሰላም ዕድል ክህቡን ምጽውዑ ገሊጹ።
ብናይ መጋሃጫ መሬት ኣልፋሽጋ ዝጀመረ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ድሕሪ’ቲ ‘ኢትዮጵያ፣ ሸውዓተ ወተሃደራተይ ረሺና’ ክትብል ሱዳን ምኽሳሳ፣ ናብ ምሉእ ወተሃደራዊ ረጽሚ እየን ኣምሪሐን።
ወተሃደራውያን ምጭታት ብዝዘርግሑዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ዝበዝሐ ክፋል’ቲ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝጸንሐ መሬት፣ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን እዩ ዝርከብ።
ኣብዚ ገና ብሱዳንን ኢትዮጵያን ምላሽ ዘይተዋህቦ እማመ ሰላም፣ ኬንያን ዩጋንዳን እውን ኣብ ምርቃቑ ከምዝተሳተፋ ይግለጽ።
ካልኣይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ ዶባዊ ግጭት ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሃደአ እኳ እንተመሰለ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣኣብ ሃገሮም ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው ሒዙዎም ደኣም’በር፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ዳግማይ ክለዓል ከምዝኽእል፣ ወተሃደራውያን ተንተንቲ ይገልጹ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0