20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

Radio Erena: 20 June 2018

20 June 2018

 ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ብረዚን ክብሪ ይዝክራ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውትያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣብ ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ መልእኽታት፣ ንሰማእታት ዘለዎም ረዚን ክብሪ ብምርግጋጽ መብጻዓ’ቶም ሰማእታት ዝትግበር፣ ኤርትራ ደሞክራስዊ መንግስቲ ምስ እትተክልን፣ ዜጋታታ ድማ ብሓርነትን ሰብኣዊ ክብርን ምስ ዝነብሩ ጥራይ’ዮም ክብሉ ኣስሚሮም።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ሽምዓ ብምውላዕ፣ ጉዕዞ እግሪ ብምክያድን ካልእ ንጥፈታት ብምውዳብን’ዮም ዝዝክሩ ዘለዉ።

 

============================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0