18 መስከረም፣ መበል 18 ዓመት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ይዝከር

Radio Erena: 18 September 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ንኣዳለውተንን ጋዜጠኛታትን ከምኡ ድማ ጽገናዊ ለውጢ ንዝጠለቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ነበር ብኣልማማ ብምቕያድ፣ ሃለዋቶም ዘጥፍኣሉ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ መበል 18 ዓመቱ ይዝከር ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ቅድሚ 18 ዓመታት፣ ልክዕ ከምዛ ዕለት ኣብ 18 መስከረም ብመንገዲ ማዕከን ዜንኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ ካብ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ንግዚኡ ደው ከምዝበላ ብምሕባር፣ ንኣዳላውተንን ጋዜጠኛታትን ከካብ ዝነበርዎ እናሃደነ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘእተዎም ኣይርሳዕን።

ኣደለውቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን፣ ከምኡ ድማ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ነበርን ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝኣተወሉ ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘይተኸተልን ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ እቲ መንግስቲ፣ ነዞም ዜጋታት፣ ስድራቤታቶም ኣብ ዘይበጽሕዎምን ደሃዮም ኣብ ዘይፍለጥን፣ ደሃዮም ኣጥፊእዎም ኣሎ።

ሓያሎ ካብዞም ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበረን፣ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ እቲ ስርዓት ህይወቶም ከምዝሓለፈ’ዩ ዝግለጽ።

ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበረን ን18 ዓመታት ደሃዮም ከምዝጠፍኡ ዝገበረ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣረሜናዊ ተግባራት፣ ቅድሚኡ ዝነበሩ ናይ መግዛእቲ ስርዓታት ዘይፈጸምዎ ምዃኑ ዘተሓሳሰቡ ሓያሎ ኤርትራውያን፣ 18 መስከረም ዝኽሪ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ስርዓት ህግደፍ ኮይና ብወለዶታት ክትዝከር ለበዋታት ኣመሓላሊፎም።

ድሕሪ’ዚ ተስፋ ደሞክራሲ ዘጸልመተን፣ ምግሃስ መሰል ዜጋታት ዘግሃደን ናይ 18 መስከረም፣ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ ቅድም’ዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን፣ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን’ውን እንተኾነ ተራእዩ ዘይፈልጥ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት፣ ግኑን ተርእዮን ምስልን ኤርትራ ኮይኑ ይርከብ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት ኣብ ኤርትራ፣ ብጉዳይ ሃይማኖት፣ ስግረ ዶብ፣ ፖለቲካን ካልእን ኣሽሓት ዜጋታት በብእዋኑ ከምዝተኣስሩ ይፍለጥ።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0