18 መስከረም፣ መበል 16 ዓመት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ይዝከር

18 መስከረም፣ መበል 16 ዓመት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ይዝከር

Radio Erena: 18 September 2017

18 September

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ንኣዳለውተንን ጋዜጠኛታትን ከምኡ ድማ ጽገናዊ ለውጢ ንዝጠለቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ነበር ብኣልማማ ብምቕያድ፣ ሃለዋቶም ዘጥፍኣሉ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ መበል 16 ዓመቱ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ይዝከር ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ቅድሚ 16 ዓመታት፣ ልክዕ ከምዛ ዕለት ኣብ 18 መስከረም ብመንገዲ ማዕከን ዜንኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ ካብ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ደው ከምዝበላ ብምሕባር፣ ንኣዳላውተንን ጋዜጠኛታትን ከካብ ዝነበርዎ እናሃደነ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘእተዎም ይዝከር።

እዞም ኣደለውቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን፣ ከምኡ ድማ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ነበርን ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝኣተወሉ ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘይተኸተልን ይፍለጥ።

ካብኡ ዝበኣሰ ከኣ እቲ መንግስቲ፣ ነዞም ዜጋታት ኤርትራ ስድራቤታቶም ከይበጽሕዎምን ሃለዋቶም ንኸይፈልጥን፣ ከምዝጠፍኡ ጌርዎም ይርከብ።

ሓያሎ ካብዞም ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበረን፣ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ እቲ ስርዓት ህይወቶም ከምዝሓለፈ’የ ዝግለጽ።

ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበረን ን16 ዓመታት ደሃዮም ከምዝጠፍኡ ዝገበረ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣረሜናዊ ተግባራት፣ ቅድሚኡ ዝነበሩ ናይ መግዛእቲ ስርዓታት ዘይፈጸምዎ ምዃኑ ዘተሓሳሰቡ ሓያሎ ኤርትራውያን ከኣ፣ 18 መስከረም ዝኽሪ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ስርዓት ህግደፍ ኮይና ብወለዶታት ክትዝከር ለበዋታት ኣመሓላሊፎም።

ድሕሪ’ዚ ተስፋ ደሞክራሲ ዘጸልመተን፣ ምግሃስ መሰል ዜጋታት ዘግሃደን ናይ 18 መስከረም፣ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ ቅድም’ዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን፣ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን’ውን እንተኾነ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዋሕዚ ኤርትራውያን ብፍላይ መንእሰያት ናብ ስደት፣ ግኑን ተርእዮን ምስልን ኤርትራ ኮይኑ ይርከብ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 16 ዓመታት ኣብ ኤርትራ፣ ብጉዳይ ሃይማኖት፣ ስግረ ዶብ፣ ፖለቲካን ካልእን ኣሽሓት ዜጋታት በብእዋኑ ከምዝተኣስሩ ይፍለጥ።
=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0