12 ነሓሰ ኣህጉራዊ መዓልቲ መንእሰያት፣ “ብድሆታት መንእሰያት ኣብ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ” ብዝብል ቴማ ብደረጃ ዓለም ተዘኪራ

Radio Erena: 13 August 2020

12 ነሓሰ ኣህጉራዊ መዓልቲ መንእሰያት፣ ብደረጃ ዓለም ተዘኪራ።

ኣብዛ፣ ብድሆታት መንእሰያት ኣብ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ተዘኪራ ዝወዓለት ዕለት፣ ምስቲ ለበዳ ተተሓሒዙ ተሰናኺሉ ዘሎ ናይ ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ካልእ መደባትን መንእሰያት፣ ብኸመይ ክሓዊ ከምዝኽእል ዝተፈላለየ መጽናዕታዊ መደባት ቀሪቡ።

መንእሰያት ቀለስቲ ወለዶ፣ ኣውሓስቲ ማሕበራዊ ድሕነትን ተረከብቲ ሃገርን ብምዃኖም ኣብኣቶም ዝፍጠር ተጽዕኖ፣ ንመጻኢ ብቐሊሉ ዘይፍወስ በሰላ ከምዘለዎ’ውን ኣብዛ ዕለት መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ሓያሎ ሃገራት፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ንዝተሰናኽለ ንጥፈታት መንእሰያት ዘሕውያሉ መደባት ክዝርዝራን ቢልዮናት ዶላራት ክምድባሉ እንከለዋ፣ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃን ገለ ገለ ሃገራት ኤስያን ግና ከምቲ ዝድለ ኣተኩሮ ይገብራሉ ከምዘየለዋ’ዩ ዝግምገም።

ብፍላይ ኤርትራ፣ ኣቐዲማ’ውን መንእሰያታ ብብዝሒ ናብ ስደት ክውሕዙ ምስ ምጽንሖም፣ ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከጋጥም ንዝኽእል ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው፣ ንመንእሰያት ንተወሳኺ ጸቕጥን ስደትን ከቃልዖም ከምዝኽእል ሓያሎ ወገናት ትንታነታቶም ይህቡ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ኤርትራ ንመሳኤ ብፍላይ ድሕሪ 2022 ንኣዱ ዝኣቱ አምበር ዝስደድ ከም ዘይብላ ክረጋግሰልካ