ፓሪስ፣ ኣብ ጎደናት ክሓድሩ ዝጸንሑ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውሕሱ ቦታ ግዒዞም

Radio Erena: 27 October 2022

ኣብ ፈረንሳ፣ ከተማ ፓሪስ፣ ኣብ ጎደናታት ክሓድሩ ዝጸንሑ ኣስታት 700 ሓተቲ ዑቕባ፣ ሎሚ ሓሙስ 27 ጥቅምቲ፣ ናብ ውሕሱ ቦታ ግዒዞም።

እቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ኣፍጋኒስታንን ምዃኖም ዝተገልጹ ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ሰሜናዊ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ፣ ፖርት ላ ሻፔል ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ጎደናታት፣ ብቴንዳን ባኮታትን ኣብ ዘቖምዎ መዕቆቢታት ክነብሩ ዝጸንሑ’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤውሮጳ፣ ቀዝሒ ዝጅምረሉ ናይ ሓጋይ ወቕቲ ይኣቱ ምስ ምህላዉ፣ ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ፣ መንግስቲን ትካላት ግብረ ሰናይን ብምትሕብባር’ዮም ነቶም ሓተቲ ዑቕባ ናብ ውሕሱ ቦታ ኣግዒዞሞም ዘለዉ።

ካብ ኢጣልይ ዝወሕዙ ሓተቲ ዑቕባ፣ ብመንገዲ ካሌ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ብብዝሒ ኣብ ፈረንሳ ከምዝተኣኻኸቡ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ራድዮ ኤረና

========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0