ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ ኣእካል ዝጸዓና 354 መራኽብ ካብ ዩክሬይን ተፋንየን

Radio Erena: 27 October 2022

ብመንጎኝነት ቱርኪ፣ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይን ብዝተበጽሐ፣ ቅልውላው መግቢ ናይ ምፍታሕ ስምምዕ መሰረት፣ ካብ ባሕቲ ነሓሰ ክሳብ 18 ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣእካል ዝጸዓና 354 መራኽብ ክፋነዋ ከምዝኸኣላ ተገሊጹ።

መርበባት ዜና ቱርኪ፣ ንሚኒስተር መጓዓዝያ፣ ዓዲል ካራይስመይልጎሉ (Adil Karaismailoglu) ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበኦ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ ካብ ወደባት ዩክሬይን ዝተበገሰ ኣስታት 7.8 ሚልዮን ቶን ኣእካል ናብ መላእ ዓለም ከምዝተባጽሐ ሓቢረን።

135 ካብተን መራኽብ ናይ ቱርኪ ክዅና እንከለዋ እተን 119 ዝጸዓንኦ ኣእካል ናብታ ሃገር ዝቐንዐ ምንባሩ እቲ ሚኒስተር ኣስሚርሉ።

እቲ ዝተረፈ ድማ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳ፣ ቻይና፣ ደቡብ ኮርያን ካልኦትን ‘ዩ ተበጻጺሑ።

ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝተወልዐ ኵናት፣ ነታ ገዚፍ ዕዳጋ ኣእካል ዓለምና እትውንን ዩክሬይን ኣብ ከበባ ስለዘእተዋ፣ ሕርሻዊ ፍርያታ ክትሸይጥ ኣይጸንሐትን።

ብሰንኩ ድማ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዋሕዲ ከም ስርናይ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ኣእካል ስለዘጋጠመ፣ ግሎባዊ ናይ መግቢ ቅልውላውን ወሰኽ ዋጋታትን ከስዕብ ተራእዩ።

ቱርኪ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ብዝጸንሓ ዝምድና፣ ነቲ ኣህጉራዊ ናይ መግቢ ቅልውላው ንምፍታሕ ብዝወሰደቶ ናይ ስምምዕ ተበግሶ፣ ዩክሬይን ኣብ ወደባታ ዝርከብ ኣእካል ክትሸይጥ፣ ሩስያ ዝኾነ ዕንቅፋት ከምዘይትፈጥር ኣረጋጊጻ።

እቲ ስምምዕ፣ ኣብ 01 ነሓሰ ኣብ ግብሪ ካብ ዝወዓለሉ ድማ፣- ስርናይ፣ ዘይቲ ብልዒን ካልእ ዝተፈላለየ 13 ዓይነታት ካርጎን ዝጸዓና 354 መራኽብ ካብ ወደባት ዩክሬይን እናተበገሳ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ኣበጻጺሐን።

እቲ 13% ናይቲ ካርጎ ናብ ኣፍሪቃ፣ 23% ናብ ኤስያ 47% ድማ ናብ ኤውሮጳ ዘቕንዐ’ዩ ኔሩ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0