ፍኑው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትርን ኢትዮጵያን ዳግም ተዓጽዩ

ፍኑው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትርን ኢትዮጵያን ዳግም ተዓጽዩ

Radio Erena: 26 December 2018

Zalambesa

ካብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ ፍኑው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግም ከምዝተዓጽወ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ መስመረ ዛላምበሳ፣ ፍሉይ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ከይነሳቐሱ ካብ 25 ታሕሳስ ኣትሒዙ ብወገን ኤርትራ መምርሒ ተዋሂቡ።

ብወገን ኢትዮጵያ’ውን ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ክንቀሳቐሱ ከምዘይክእሉ’ዩ ዝጥቀስ ዘሎ።

ጠንቂ ምዕጻው እዚ ንሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ንኹሉ ክፉት ኮይይ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ፍኑው ናይ ኮንትሮባንዳ ንግድን ዝፈጠሮ ጸጥታዊ ስክፍታን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ይግመት።

 

========================== 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0