ፈረንሳ፣ ሬሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ናይ ዝሓለነት ጓል 24 ኤርትራዊት መንእሰይ ተረኺቡ፣ ናይ ካልኦት ከይህሉው መስርሕ ምድላይ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: Wednesday 27 September 2023

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ፣ ሬሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ናይ ዝሓለነት ጓል 24 ኤርትራዊት መንእሰይ ከምዝተረኽበ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እታ መንእሰያ፣ ካብ ናይ ጎማ ጃልባ ጸዲፋ ዝጠሓለት ክትከውን ከምእትኽእል’ዩ ፖሊስ ፈረንሳ ኣሚቱ።

ሬሳ ናይታ ኤርትራዊ መንእሰይ ብ26 መስከረም ተገፊዑ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብለርዮት ከምዝተረኽበ ዘነጸረ ፈረንሳ፣ ናይ ካልኦት ከይህልዉ’ውን ኣብ ምድላይ ተዋፊሩ ይርከብ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፣ ኣብ ናይ ጎማ ጃላቡ ተጻዒኖም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝተበገሱ ብዙሓት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከምዝነበሩ ‘ዩ ጸብጻብ ፖሊስ ጠቒሱ።

ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ብምሕባእ፣ ብመንገዲ ካሌ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ምስግጋር ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ብሪጣንያን ብዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ብጽኑዕ ክሕሎ ስለዝጀመረ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ብምብጋስ ብናይ ጎማ ጃላቡ ዝካየድ ምስጋር ገኒኑ ይርከብ።

ስእሊ፡- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0