ጂቡቲ፣ ወኪል ኤርትራ ዘይተሳተፎ ኣኼባ ኢጋድ ተኻይዱ

Radio Erena: 04 February

ኣብ ጂቡቲ፣ ወኪል ኤርትራ ዘይተሳተፎ ኣኼባ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ተኻይዱ።

ኣብቲ ብሓድሽ ኣቦ መንበር ኢጋድ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ተመሪሑ፣ ብ3 ለካቲት ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ባንዴራ ኤርትራ ተሰቒላ እኳ እንተነበረት፣ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣይተሳተፈን።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ሓድሽ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኢጋድ ንኽህነጽ፣ መራሕቲ ሱዳንን ጂቡቲን እምነ- ኩርንዓ ኣንቢሮም።

ኢጋድ፣ ኤርትራ እትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ዝሓቖፈ እኳ እንተኾነ፣ ኤርትራ ካብ 2011 ንደሓር ናብቲ ውድብ ዳግም ተጸኒቢራ እኳ እንተላ፣ ኣብቲ ዞባዊ ምትእኽካብ ንጡፍ ኣበርክቶ የብላን።

ኣብ ንጡፍ ኣበርክቶ ዘለዋ ኣባላት ኢጋዳ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጂቡቲ፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያን ኡጋንዳን’የን።

================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0