ሶማልን ፓኪስታንን ብሰንኪ ወራር ኣንበጣ ህጹጽ ሃገራዊ ሓደጋ ኣዊጀን

Radio Erena: 04 February 2020

መንግስታት ሶማልን ፓኪስታንን፣ ብሰንኪ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ህጹጽ ሃገራዊ ሓደጋ ኣዊጆም።

ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣትሒዙ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ኤስያን ከሰፋፍሕን ክሳግምን ዝጸንሐ ኣምበጣ ምድረ በዳ፣ ኣብ ገሊኤን፣ ኣብ ዘርእቲ ሃገራት ከቢድ ጉድኣት ከብጽሕ እንከሎ ኣብ ካልኦት ድማ ጉዳት ከየብጽሐ ንምምካቱ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

ንወራር እቲ ዕስለ ብኣግኡ ክምክት ዘይክኣለ መንግስቲ ሶማል፣ ካብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣትሒዙ ህጹጽ ሃገራዊ ሓደጋ ብምእዋጅ፣ ኣህጉራዊ ሓገዝ ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብ ዘራእቲ፣ ኣእካልን ሓምላይ መሬትን ከቢድ ጉዳት ስዒቡ ከምዘሎ ዘመልከተ መንግስቲ ሶማል፣ ብሰንኪ ክስዕብ ንዝኽእል ጥሜት ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ቅድመ ምድላዋት ክገበር ተማሕጺኑ።

ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ተራእዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብዚ 25 ዓመታት እቲ ዝኸበደ ምዃኑ’ዩ ሕቡራት ሃገራት ዘመልክት።

ኬንያ ብወገና ኣብዚ 75 ዓመታት ክንድዚ ዝዓቐኑ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ገጢሙዋ ከምዘይፈልጥ ገሊጻ ኣላ።

ዕስለ እንበጣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ የመን፣ ስዑዲ ዓረብን’ውን ተራእዩ ኣሎ።

ወራር ዕስለን ኣንበጣ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ናብ ርሑቕ ኤስያታት ሳጊሙ ኣብ ህንዲን ፓኪስታንን’ውን ኣሰፋሕፊሑ’ዩ።

ኣብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ቦታታት ከቢድ ጉዳት ስዒቡ ከምዘሎ ዘመልከተ መንግስቲ ፓኪስታን’ውን ከም ናይ ሶማል ተመሳሳሊ፣ ህጹጽ ሃገራዊ ሓደጋ ኣዊጁ ኣሎ።

ውድብ መግብን ሕርሻ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ይኹን በቲ ወራር ንዝሰዓበ ሓደጋ ንምርዳእ ናይ ኣስታት 70 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ካብ ለገስቲ ምሕታቱ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0