Radio Erena: 12 February 2021

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።
እቲ ፕረዚደንት፣ ብ10 ለካቲት ናብ ከተማ ፓሪስ ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ዘተ ምክያዱ ተሓቢሩ።
ዑደት ፕረዚደንት ጂቡቲ ናብ ፈረንሳ፣ ዝጸንሐ ወትህደራዊ ምትሕግጋዛት ንምሕዳስን ብዝያዳ ንምዕባይን ዘንቀደ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።
ብመሰረት እቲ ጂቡቲን ፈረንሳን ካብ ኣብ 1971 ከምኡ ድማ ኣብ 2011 ዝኸተምኦ ናይ ሞግዚትነትን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ስምምዓት፣ ፈረንሳ ኣብታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ገምገም ቀይሕ ባሕሪን እትርከብ ስትራቴጃዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር፣ ሰራዊታ ብቐዋምነት ኣስፊራ ትርከብ።
ፈረንሳ፣ ከም ሞሳ ናይዚ ድማ ዓመታዊ ልዕሊ 40 ሚልዮን ኤውሮ ንጂቡቲ ክትህብ እንከላ፣ ኣብ ስለያ፣ ስልጠናን ወታህደራዊ ንዋትን’ውን ብሓገዝ ተበርክተላ’ያ።
ይኹን’ምበር ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ጂቡቲ ጠመትኣ ናብ ቻይና እናሓየለ ብምምጽኡን፣ ቻይና ድማ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትፍት ምኽኣላን፣ ንፈረንሳን ኣመሪካን ኣሻቒሉ’ዩ ጸኒሑ።
ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራ ንምስፋሕ ዝተፈላለ መደባት ክትውጥን እንከላ፣ ፈረንሳ ብወገና፣ ዝሑሉ ዝጸንሐ ዝምድና ዳግም ከተማሙቖ ትርአ ኣላ።
ኣብ መጋቢት 2019፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኢማኑኤል ማክሮን ናብታ ሃገር ምብጻሕ ከካይድ እንከሎ፣ ሎሚ ድማ ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ ናብ ፈረንሳ ይበጽሕ ኣሎ።
===============
