ፖርት ሱዳን፣ ዋጋ ባኒ ክረጋጋእ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 12 February 2021

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከበ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን፣ ዋጋታት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ክረጋጋጽእ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ዝተኻየደ ኣሽሓት ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ መነባብሮ ህዝቢ ከመሓይሽን ዋጋታት ከም ባኒ ዝኣመሰለ መሰረታዊ መግብታት ከረጋግእን’ዩ ጸዊዑ።

ሰልፈኛታት፣ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር እቲ ዞባ ብምትእኽኻብ፣ ምምሕዳር ብዝቐልጠፈ መልሲ ክህቦም’ዮም ጠሊቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ዓብዱላህ ሻንጋራይ፣ እቶም ዜጋታት ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ መሰሎም ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ጎነጽን ናዕቢን ዘይብሉ፣ ብመሰለማዊ መንገዲ ጸገማቶም ክፍታሕ ምሕታቶም ኣመስጊኑ።

ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ንዘሎ ዋሕዲ ባኒን ናህሪ ዋጋታቱን ንምፍታሕ፣ መንግስቲ ንትካላት መፍረ ሕብስቲ፣ ቀረባት ፊኖ ብብዝሒ ከማልኣለን ጻዕርታት ይግበር ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዳርፉርን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር’ውን ተመሳሳሊ ሰልፍታት ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ግብጺ፣ ክልተ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ናይ መግቢ ሓገዝ ናብ ሱዳን ልኢኻ።

እቲ ብ9 ለካቲት ዝተላእከ ሓገዝ፣ ግብጺ ኣብ ጎኒ ሱዳን ከምዘላ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ መግለጺ እታ ሃገር ጠቒሱ።

መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ፣ ግብጺ ኣብዚ ፈታኒ እዋን፣ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሱዳን ደው ክትብል ምውሳና ኣመስጊኑ።

ግብጺ ኣብ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ’ውን ኣስታት 170 ቶን ዝምዘን ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ናብ ሱዳን ልኢኻ’ያ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0