ኡጋንዳ፣ ድሕሪ ምርጫ ኣማኢት ተቓወምቲ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ከምዝተኣስሩ ተገሊጹ

Radio Erena: 12 February 2021

ኡጋንዳ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኣማኢት ተቓወምቲ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ከምዝተኣስሩ ተቃወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን እታ ሃገር ከሲሰን።

ብፍላይ ኣባልነትን ደገፍቲ ናይቲ ልዑ ደገፍ መንእሰያት ዘለዎ ሕጹጽ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ቦቢ ባይን ዝመርሖ ሰልፊ ባይታ ንሃገራዊ ሓድነት ዝኾኑ 10ታት ዜጋታት፣ ሲቪል ብዝለበሱ ሓይልታት ጸጥታ ተወሶዶም፣ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ’ዩ ተሓቢሩ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ናዕቢን ጎነጽን ንምውዳብ ዝወጠኑ 31 ኣባላት ናይቲ ሰልፊ ጥራይ ከምዝኣሰሩ’ዮም ዝገልጹ።

ኣብ 14 ጥሪ 2021 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኡጋንዳ፣ ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ፣ ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት ዩዌሩ ሚሴቬኒ ብምዕዋት ክሳብ ንልዕሊ 40 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሕ’ዩ ተመሪጹ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0