Radio Erena: Tuesday, 06 June 2023
ጂቡቲን ፈረንሳን፣ ኣብ 1977 ዝኸተምኦ ወትሃደራዊ ውዕላት ንምሕዳስ ገምጋም ከምዘካየዳ፣ ብ03 ሰነ ዝወጸ መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ኣፍሊጡ።
ብሚኒስተር ምክልኻል፣ ሓሰን ዑመር ማሕሙድ ቡርሃንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን፣ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍን ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ካብ 30 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ፓሪስ ምስ ፈረንሳውያን መዘናታቱ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ እቲ ውዕል ክቕጽል ንረብሓታት ክልቲኤን ሃገራት ኣገዳሲ ምዃኑ ገምጊሙ።
ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ጂቡቲ፣ ኣብ 1977 ናጽነታ ክትረክብ እንከላ፣ ፈረንሳ ከም መጕዚት፣ ንጸጥታን ድሕነትን እታ ሃገር ክትሕሉ፣ ሰራዊታ ብቀዋምነት ኣብታ ሃገር ክዕስክር ዝብል ውዕል ከምዝኸተማ ይፍለጥ።
እቲ ውዕል ኣብ 2011 ዳግም እኳ እንተተሓደሰ፣ ጂቡቲ ከም ኣመሪካ፣ ቻይናን ካልኦት ዓርሞሺሽ ሃገራትን ዓይነን ስለዘውደቓላ፣ ፈረንሳ ጥርጣረታት ጸኒሑዋ’ዩ።
እንተኾነ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለን ፈረንሳዊ መዘንኡ፣ ኢማኑኤል ማክሮንን፣ ኣብ 2021፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ከም ቀደሙ ክቕጽልን እቲ ውዕል ዳግም ተገምጊሙ ክሕደስን ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።
ድሕሪ’ቲ ውዕል፣ ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ፣ ሰባስትያን ለኮርኑ ናብ ጂቡቲ ብምብጻሕ ኣብ ወትሃደራዊ መዳያት ክመያየጥ እንከሎ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ካትሪን ኮሎና ብወገና ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ቁጠባን ፖለቲካን ምትሕግጋዝን ሽርክናንን ክህልዉ ዘኽእል ስምምዓት ንምኽታም ናብታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ዑደት ኣካይዳ።
ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ኣብ ዘራኽብ ባብ ኤል መንደብ እትርከብ፣ ስትራቴጃዊት ሃገረ ጂቡቲ፣ ንኣፍሪቃ፣ ኤስያ፣ ኤውሮጳን ዘተኣሳሰረ ክሊ ማይ’ያ ትውንን።
ስለዚ ድማ ሓያሎ ዓበይቲ ሃገራት ረብሓታተን ንምውሓስ፣ ኣብዛ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽቶን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተዛማዲ ዝሓሸ ርግኣት እትውንንን ጂቡቲ፣ ወትሃደራዊ መዓስከራት ንምቛም ይሻመዋ።
================
COMMENTS