ጀርመን፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝሓቱ ኤርትራውያን፣ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፓስፖርት ከምጽኡ ትሓትት

ጀርመን፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝሓቱ ኤርትራውያን፣ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፓስፖርት ከምጽኡ ትሓትት

Radio Erena: 26 June 2016

Refugee Camp in Germany

መንግስቲ ጀርመን፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ መንበሪ ፍቃድ ክንህበኩም ካብ ኤምባሲኹም ፖስፖርት ኣምጽኡ ይብሎም ምህላዉ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝደወሉ ሓያሎ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ገሊጾም።

ብመሰረት እዞም ኤርትራውያን ዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክነሶም፣ ክፍሊ ኢምግሬሽን ጀርመን ግና ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፓስፖርት ከምጽኡ ይሓቶም ምህላዉ፣ ከምዘደናገሮምን ከምዘሻቐሎምን ጠቒሶም።

ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕል ጄኔቫ 1951፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዑቕባ ዝተዋህቦ ዝኾነ ሰብ፣ ምስ ኤምባሲኡ ክራኸብ ይኹን ናብ ሃገሩ ክምለስ እንተኽኢሉ፣ ናይ ዑቕባ መሰሉ ይስረዝ’ዩ ዝብል።

በንጻር እዚ ግና ጀርመን፣ መንበሪ ፍቓድ ክንህበኩም ካብ ኤምባሲኹም ፓስፖርት ኣምጽኡ ብምባል፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን ኣሰናኺላ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ በቲ ናይ መንግስቲ ጀርመን ውሳኔ ዝተሻቐሉ10ታት ኤርትራውያን ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ብምኻድ፣ ናይ ጣቕሳ ፎርም እናመልኡ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ብምሓዝ፣ ካብ ኢምግሬሽን ጀርመን ናይ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም ኣለዉ።

እዚ ውሳኔ’ዚ፣ መንግስቲ ጀርመን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ መስርሕ ኣብ ዝጅምረሉ፣ ነዞም ስደተኛታት ክጸልዎም ከምዝኽእል’ዮም ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተሉ ወገናት ዘገንዝቡ።

ብፍላይ ድሕሪ ሓደ ዓመት፣ መንበሪ ፍቓድ ዳግም ንምሕዳስ ናብ ኢምግሬሽን ኣብ ዝመለስሉ እዋን፣ ናብ ኦኣድኹም ተመልሱ ዝብል ካልእ ዝበኣሰ ጸገም ክጎንፎም ከምዝኽእል’ውን ብኣጉ የተሓሳስቡ።

ኣብ ጀርመን ዝርከብ ወኪል ሬድዮ ኤረና ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምጽራይ፣ ኣብ ፍራንክፈርት ምምሕዳር ከባቢ ሄሰን ንዝርከብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ኣብ ዝተወከሰሉ፣ ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ናይ ሃገርኩም ፓስፖርት ኣምጽኡ ክብሃሉ እንከለዉ ብዘይጸገም ካብ ኤምባሲኡም ከምዘምጽኡ ምኽኣሎም ከምዘገረሞም ኣብ ሓበሬትኡ ኣመልኪቱ።

ጀርመን፣ ብዘይካ’ዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ መንግስታት ሱዳንን ኢትዮጵያን እትገብሮ ዘላ ምትሕብባር፣ እቶም ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም ክምለሱ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ’ውን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ትዘራረብ ከምዘላ ይፍለጥ።

=======

COMMENTS

WORDPRESS: 0