ሕ/ ኢማራት ዓረብ፣ የመናውያን እሱራት ናብ ኤርትራ ከምዘግዓዘት ተገሊጹ

ሕ/ ኢማራት ዓረብ፣ የመናውያን እሱራት ናብ ኤርትራ ከምዘግዓዘት ተገሊጹ

Radio Erena: 26 June 2016

UAE prison

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ የመን ዝሓዘቶም ኣገደስቲ’ዮም ዝበለቶም እሱራት ናብ ኤርትራ ተግዕዝ ምህላዋ Human Rights Watch ዝተባህለ ተጣበቒ ትካል ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብሓሙስ 22 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ የመን ብጉዳይ ሑቲ ብዝተሓሓዝ ኣርባዕተ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ብውሕዱ 49 የመናውያን ከምዝተቐየዱ ብምምልካት፣ እቶም ዝበዝሑ ብሓይልታት ጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ተወሲዶም ደሃዮም ከምዝጠፍኡ ኣገንዚቡ።

ሕቡራት ኢማራት፣ ካብዚኣቶም ነቶም ዝያዳ የገድሱ’ዮም ዝበለቶም እሱራት ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራ ከምዘግዓዘት እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብዘይካ’ቲ ንመዓርፎን ነፈርትን ወደብን ዓሰብ ኣብ የመን ንዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት ትጥቀመሉ ምህላዋ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ’ውን ንወትሃደራት ናይቲ ኣብ ሶኡዲ ዓረብ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ‘ውን ተሰልጥን ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0