የመን፣ እሱራት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ወደብ ዓሰብ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ

የመን፣ እሱራት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ወደብ ዓሰብ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ

Radio Erena: 14 January 2019

ካብ የመን ዝተበግሱ፣ ቁጽሮም ብልዕሊ ዘይተነጸረ እሱራት ዝጸዓነት መርከብ፣ ናብ ወደብ ዓሰብ ከምዝኣተወት ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም እሱራት፣ የመናውያን ይኹን ኣብ የመን ተኣስሮም ካብ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

እታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ወደብ ዓሰብ ዝኣተወት መርከብ፣ ካብ ወደብ ሖዴይዳ፣ ናይ የመን ዝተበገሰት ክትከውን ከምእትኽእል ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ምምልላስ ሎጂስቲክ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ንብረት ሓይሊ ባሕሪ ኢማራት ምዃና ኣገንዚቦም።

ዝርዝር ሓበሬታ ናይዞም ካብ የመን ናብ ኤርትራ ተሰጋጊሮም ዘለዎ እሱራት ኣብ ዝበጽሓና ከነቓልሖ ኢና።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0